S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር ሓቀኛን ምሉእን ዕርቂ ይግበሮ

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

13 ሓምለ 2017 ዓ.ም.

ብዕለት 11 ሓምለ 2017 ዝወጸ መግለጺ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፥ ንዕርቂ፥ ንሰላምን ድኅነትን ቤተ ክርስቲያን ኣንፈት ዝህብ ጽቡቕ ጅማሮ ምዃኑ ብምእማን፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ እቲ ጅማሮ፥ ኣዝዩ ከም ዘሕጎሶን ንሓቀኛ ዕርቅን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝድግፍን ብመትከል ሓጎሱ ይገልጽ።

እንተኾነ፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ብቓሎም ይኹን ብጽሑፍ ዝገለጽዎ ነገር ስለዘየለ፥ ኣብ ሥልጣን ፓትርያርክነቶም ኮይኖም ቃሎም ክህቡ፥ ዝተነብረ ውግዘት ከልዕሉ፥ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ ሓዋርያዊ ሥልጣን መንበሮም ተረኪቦም ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ብሓርነት ክጓስዩ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ይሓትት።

በዚ ኣጋጣሚ: ምእንቲ ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ከይሰልከዩ ዝጸዓሩ ገዳማውያን ኣቦታት፥ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን፥ ብሓፈሻ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ንዕርቅን ሰላምን ዝገበርዎ ጻዕሪ እናሞገሰ፥ ዝተጀመረ ዕርቂ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ጸሎትኩምን ጻዕርኹምን ቀጻሊ ክኸውን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ይጽውዕ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ቃል ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ሰምዐ ንህዝቢ ምሉእ መግለጺ ክህብ ምዃኑ ይሕብር።

እግዚኣብሔር ሓቀኛን ምሉእ ዕርቅን ይግበሮ። ኣሜን።

 

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥

ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div