S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓበሬታ ንተመሃሮ ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን።

2017 ዓመተ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ (ንኹሎም ኣብ ትምህርቲ ስነ መለኮት ዝምሃሩ ይምልከት)

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም እትርከቡ፡ ውሉደ ክህነት፡ መማህራንን ተመሃሮን ቤት ትምህርቲ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ሰላም ኣምላኽ ምሳኹምን ምስ ሴተሰብኩምን ይኹን። ንኹሉ ውልቃዊ ጸገማትን፡ ዘይንቡር ህሉዊ ኩነታት ሕዝብናን ተጻዊርኩም ትምህርቲ ስነ መለኮት ኮለጅ ተዋሕዶ ትከታተሉ ንዘሎኹም ንንእድ። ብወገን ምምሕዳርን መማህራንንውን ብትሕዝቶኡ ሃብታም፡ ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራውን ዘይከቢድ ኪኸውን፡ ብቐጻሊ ምምሕያሻት ንምግባር፡ ምዕቡል ተክኖሎጂ ሃሰው ኣብ ምባል ከም ንርከብ ንሕብር። 2017 ዓመተ ትምህርቲ ዝምልከት ተመሃሮ ዝኽተልዎ ሓበሬታ ነመሓላልፍ።

ኣብ 2017 ዓመተ ትምህርቲ ካብ መጋቢት 15, 2017 ክሳብ ሓምለ 31, 2017 እዘን ዝስዕባ ትምህርትታት ኪውሃባ እየን። ታሪኽ ቤተክርስቲያን (Church History) ቀኖና ቤተ ክርስቲያን (Church Canon) ሓድሽ ኪዳን 2 ክፋል (New Testament II)

ብግቡእ እናተኸታተልኩም ኣብ 2016 ዓመተ ትምህርቲ ፈተና ዝወሰድኩም ተመሃሮ፡ 2017 ዝውሃብ ትምህርቲ፡ ዳግማይ ምምዝጋብ ኣየድልየኩምን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰመስተር (2016) ተመዝግቢኩም ብዝተፈላለየ ዕንቅፋታት ፈተና ዘይወስድኩም፡ ምስቲ ዝምልከቶ መምህር ተረዳድኡ። ኣብ 2017 ዓመት ትምህርቲ ኪትቕጽሉ ኣብዘን ጸኒሑ ዝውሃብን መምርሕታት ተኸታተሉ።

ተመዝጊብኩም ከተብቕዑ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ተዳልዩ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም፡ ኣብ እዋኑ ዕዮ ገዛን ፈተናን ዘይወሰድኩም፡ ኣብ 2017 ዝውሃብ ትምህርቲ ዝፍቐደልኩም ከም እንደገና ምስ ትምዝገቡ ጥራይ እዩ።

ኣብ ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለየ ማዕስከራትን ኮይንኩም ትምህርትኹም ትከታተሉ ዘሎኹም ተመሃሮ፡ እቲ ዘሎኹሞ ዘይንቡር ኩነታት ኩሉ መምርሕታት ከተማልኡ ዘፍቕድ ብዘይምኻኑ፤ ኣብቲ መርበ ሓበሬታ ኣቲኹም፡ ትምህርትኹም ክሳብ ዝተኸታተልኩም እዋን ካብ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ነጻ ኢኹም።

ናይ ገንዘብ ክፍሊት ዘየማላእኩም ተመሃሮ፡ እቲ ምዱብ ክፍሊት፡ ማለት ኣብ ሰመስተር $100 ኪትከፍሉ ደጊምና ንሕብር። ንኣካፋፍላኡ ዝምልከት ብተደጋጋሚ ኪመጽእ ዝጸንሐ ሕቶታት መልሲ ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ።

ንኹሉ ናይ ኢመይል ሕቶታትኩም ክንምልስ ግቡእ እኳ እንተነበረ፡ መልሲ ናይቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ሕቶታት ብሕጽር ዝበለ ኣብዚ ነቕርብ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ድኹም ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ዘጋጥም ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገማት ዝምልከት። ዘይንቡር ኩነታትኩም ርዱእ ስለዝኾነ፡ ትምህርትኹም ትከታተልሉ ዝቐለለ መገድታት ክሳብ ዝርከብ ብዝተኻእለ መጠን ብናታትኩም ጥበብን ምስቶም ቅልጡፍ ኢንተርነት ኪረኽቡ ዝኽእሉ ብምልዛብን ግዝያዊ ፍታሕ ከተናድዩ ንምሕጸን። መገዲ ኣብ ዝተረኽቦ እዋን ብኢመይልኩም ኪሕበረኩም እዩ።

ክፍሊት 

ናይ ገንዘብ ክፍሊት ዝምልከት ብኽልተ መገድታት ኪትከፍሉ ትኽእሉ። ብክረዲት ካርድን ብቸክን። ኣድራሻ እዚ ዝስዕብ ተጠቐሙ።

ክረዲት ካርድ http://www.tewahdotheology.org/ “Donation” ኣብ ዝብል መላግቦ ተዊቕኩም ክፈሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ እንሆ፡

1. ብክረዲት ካርድ ንምኽፋል

Name of bank: Wells Fargo

Name on the Account: Eritrean O.T. Diocese of North America

Account Number: 1534659386

Routing Number: 061000227

2. ብፖስታ ዝልኣኽ ቸክ (Send Check to::  

ብቸክ ክፍሊትኩም ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ልኣኹ። ኣብቲ ንመን ዝብል “Eritrean Orthodox Tewahdo Theology” ሽም ግበርሉ።

Eritrean Orthodox Tewahdo Theology, Diocese of North America

P. O. Box 186

Redan GA. 30074 USA.

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም ኪትጥቀምሉ ዝተዋህበኩም “user id” and “password” ኣብ ግዜኡ ኣቲኹም ስለዘይተጠቐምክምሉ ኣብዩና ዝብል ሕቶታት ብዝምልከት። ከምቲ ብሸነኽ ምምሕዳርን ብመማህራንን ንዓኹም ንምሕጋዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ስራሕን፡ ንስኻትኩምውን ናይ ጽባሕ መማህራንን መራሕትን ብምዃንኩም ዕቱባት ኩኑ። መምርሒ ኣብ እዋኑ ተኸታተሉ። ብፍሉይ ናይ ቴክኒክ ጸገም እንተዘይኮይኑ ብሸለልትነትን ምርሳዕን ንዘጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ ዓቅምን ግዜን የለን። ናይ ቴክኒክ ጸገማት ምስ ዝህሉ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ትኣምንዎም ኪእላታት ተማኸሩ። እቲ “user id” and “password” ግን ናይ ውልቅኹም ስለዝኾነ ንማንም ሰብ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን።

ኣብ ላዕሊ ዘይሰፈረ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም: ኢመይል (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.ሓብሩና።

 

ምምሕዳር ጉዳያት ተመሃሮ፡ ስነ መለኮት ኮለጅ ተዋሕዶ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

28 የካቲት 2017 (21 የካቲት ግእዝ, 2009)

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

www.tewahdotheology.org

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div