S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተወሳኺ ሓበሬታ ንተመሃሮ ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም እትርከቡ፡ ብዙሓት ውሉደ ክህነት፡ መማህራንን ተመሃሮን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን፡ ንትምህርቲ ስነ መለኮት ኮለጅ ተዋሕዶ ዘርኣኹምዎ ግብረ መልሲ ካብ ትጽቢትና ወጻእን ብዙሕ ዘተባብዕን እዩ። ብፍላይ ንኹሉ ዓይነት ጸገማት ተጻዊርኩም፡ ካብ ዓድና፡ ካብተን ንኣሽቱ ከተማታት ሃገርና ከይተረፈ፡ ትምህርትኹም ትከታተሉ ምህላውኩም ኣዝዩ ዘሐጉስ እዩ። እቲ ትምህርቲ ደረጃኡ ክሕሉ ስለዝግባእ ግን ተመሃሮ ክስዕብዎ ዝግባእ ሓበሬታ ንህብ።

1. ተመዝጊብኩም ከተብቕዑ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ተዳልዩ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም፡ ኣብ እዋኑ ዕዮ ገዛን ፈተናን ምስ ዘይትወስዱ ናይዚ ሰመስተር ትምህርቲ ከም ብኩራት ተወሲዱ ኣብ ዝቕጽል ሰመስተር ግን ትምህርትኹም ኪትቕጽሉ ከም እትኽእሉ ንሕብር።

2. እቲ ኣብ ሓደ ሰመስተር ዝኽፈል ገንዘብ ኣብ እዋኑ ኪትከፍሉ ደጊምና ንሕብር። ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ክፍሊቱ ዘየማልአ ተመሃራይ ናይ መዛዘሚ ፈተና ኪወስድ ከምዘይፍቀዶ ንሕብር።

3. ብተወሳኺ ናይ 2017 ሰመስተር ዝውሃብ ክፍለ ትምህርትታት ኣብ ምጽፋፍ ከም እንርከብን፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝውሃብን ነዘኻኽር።

4. ናይ 2016 ሰመስተር ምስ ተጀመረ ቅሩብ ዶንጉይኹም ክትምዝገቡ ሓቲትኩም፡ ግዜ ምዝገባ ስለዝተዓጽወ፡ ዘይተቐበልናኩም ተመሃሮ ኣብ 2017 ክንቅበለኩም ምዃንና ነረጋግጸልኩም።

እቲ ሕዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ዘይንቡርን ጽንኩርን ኩነታት ብደንቢ ስለንርድኦ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ከተማልኡ ዘይትኽእሉ ተመሃሮ ኣብ ዝቐልጠፈ ኩነታትኩም ዝገልጽ መልእኽቲ ብዝርዝር ኪትልእኩ ንሓትት።

 

ካብ ጉዳያት ተመሃሮ፡  ስነ መለኮት ኮለጅ ተዋሕዶ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ሕዳር 04, 2016 (ጥቅምቲ 25, 2009 ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div