Day 5 (1st Friday of the Great Fast)
“Jesus said to him, ‘I am the way, the truth, and the life. No one comes to the Father except through Me.’” (John 14:6)
“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም እትርከቡ ብክርስቶስ ጎይታ ኣኅዋትና።
“ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣሎኒ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ‘ሰብዶ ዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧’ ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) ምግባር፡ ዕዮኡ’ውን ምፍጻም’ዩ” (በሎም)።” ዮሃ 4፡32-34 ካ.ት
ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኻትኩም ይኹን።
ብምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመነ ጾመ ፍልሰታ፥ ካብ ፩ ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ነሓሰ (7 August - 21, 2020) እዉጅ ጾም እዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፥ ኣሜን።
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ኣሕጉራትን እትነብሩ ዘሎኹም።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።
እቲ ካብ 1999 ኣ.ፈ ጀሚሩ ዓመት መጸ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤና፥ ሎሚ ዓመት'ውን ብረድኤት እግዚኣብሔር ንመበል 22 ዓመቱ ክካየድ እዩ። እዚ ብጸሎተ-ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት፥ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብዝህብዎ፥ መደብ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ጸሎተ-ምህልላን ብስሩዕ መደባት ንኽመሓላልፍ ብኽፍሊ ትምህርትን ስብከትን መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ኣሎ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤ በዚ ዘሎ ለበዳ ሕማም-ኮረና ምኽንያት፥ ብመሰኮት ኢንተርነት ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live)፡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ (July) - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ኣ.ፈ (ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ሰዓታት፡ ካብ ኣአንጋዲት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ ኦሃዮ፥ ክመሓለልፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ።
መደባት መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ጉባኤ፥ ሓሙስ ሓምለ (July) 30 - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live) ክዝርጋሕ እዩ። ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ይመሓላለፍ።
Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
Live https://www.facebook.com/tewahdoChurch
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ሮሜ 12፡12
ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ