ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።
ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 2፡30) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።
ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020፡ ንዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ: ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን'ዚ ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።
ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
“As many as I love, I rebuke and chasten. Therefore be zealous and repent.” (Rev 3:19)
Day 8 (2nd Monday of the Holy Great Fast)
How? Through your love for God
“Beloved, let us love one another, for love is of God; and everyone who loves is born of God and knows God. He who does not love does not know God, for God is love.” (1 John 4:7-8)
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጉባኤ 2017፥
ኣብ ዝሓጸረ እዋን: ካብዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ዘሎ መዕረፊ ኣጋይሽ (hotels) ናብቲ ዝመረጽኩሞ ደዊልኩም መዕረፊኹም ዝኸውን ሆተል ብኣጋ ክትሕዙ ንላቦ። ሆቴል እትሕዝሉ እዋን ዕለቱ ዘብቅዓሉ ዕለት 7 ሓምለ 2017 እዩ። ድሕሪ እዚ ዕለት'ዚ ግና ዋጋ ሆተል ክውስኽ ምዃኑ ብኣኽብሮት ንሕብር።
ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
“ንስኻትኩምሲ ናብ እምባ ጽዮንን፡ ናብ’ታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ናብ’ቶም ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት ዝዀኑ መላእኽትን፡ ናብ’ታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተጻሕፈ በዅሪ ብዝዀኑ (ሰባት) ዝቘመት ቤተ ክርስትያን፡ ናብ’ቲ ንዅሉ ዚፈርድ ኣምላኽን፡ ናብ ነፍሳት ናይ’ቶም ፍጹማን ዝዀኑ ጻድቃንን፡ ናብ’ቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ’ቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣለኹም።” እብ 12፡22-24 ካ.ት
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ