“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ’የን።” ዮሃ 10፡14,15።
1. ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ዓውዲ ፍልጠት፥ ቋንቋን ትምህርትን፥ ዓቃቢት ታሪኽን ቅርስን ኮይና ንዘመናት ዝጸንሐት ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ምስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ግን ብብዙሕ ምኽንያታት፥ ዘመን ዝጠልቦ ስጉሚ ኣይሰጎመትን። ውሉደ ክህነት ሕድሪ ኮይኑዎም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ይገብሩ እኳ እንተሎዉ፥ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሕዝብን ንኡስ ወለዶን ንምጉሳይ ዘብቕዕ ስልጠናን ሓገዝን ኣይረኸቡን። ንመበል ፪፩ (21) ክፍለ ዘመን ዘገልግሉ ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሰረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት (ቤተ እምነታት) ብግቡእ ዝርድኡ፥ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ኪህቡ ነቲ ሰፊሕን ዓምዩቕን ትምህርቲ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን (ስነ መልኮት)፥ ምስ ዘመናዊ ትምህርቲ ብምትእስሳር ብደንቢ ኪምሃርዎ፥ ነቲ ብስጋን መንፈስን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሕዝቦም ብብቕዓት ኪመርሑ፥ ጓሶትውን ጉስነት ይደልዩ እዮም። ትምህርትን ሃብታም ተሞክሮን ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሳላ ተክኖሎጅን መርበብ ሓበሬታን፡ ኪምሃር ርእሱ ንዘዳለወ እቲ ዕድል ሰፊሕ እዩ።
ናይቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፣ ብድሕሪ ጀርመን ቀጺሎም ዝኸዱዎ ሃገረ-ስብከት ስዊስዘርላንድ እዩ። በዚ መሠረት`ዚ ድማ ብዕለት 27/09/2021 ከተማ-ባዝል ክኣትዉ ክኢሎም።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ኣብ ሕዝብን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ጸገምን ኣደራዕን፥ ይትረፍዶ ዓሚጽካን ገፊዕካን፥ ሓደ ኮንካ’ውን ምስጋሩ ከቢድ ኮይኑሉ ዘሎ እዩ።
ዓሚ ልክዕ ከምዛ ሎሚ 13 ሰነ 2019 ኣ.ፈ 5ተ ገዳማውያን ኣቦታት ብዘይ ፍትሕን ትእዛዝ ቤት ፍርድን ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብኃይሊ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጊንዳዕ ዝኣተውሉ ዕለት እዩ። እወ! ዓመት ከም ሓንቲ ዕለት ብቝርን ሃሩርን ብጥምየትን ጭንቀትን፥ ብሕማምን ስቅያትን ብጸርፍን ውርደትን 365 መዓልታት ብእህህታን ሓዘን ኣብ ጸልማት ማሕዩር ተዳጕኖም ኣለዉ።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ናይ 2019 መደባት ትምህርቲ ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን።
1. ነባራት ተመሃሮ ፈተና ክሳብ 15 ጥሪ 2019 ክትወስዱ ነተሓሳስብ።
2. ምዝገባ ንነባራትን ሓደስትን ተመሃሮ ካብ 1 ጥሪ 2019 ጀሚሩ ክሳብ 1 የካቲት 2019 ይኸውን።
መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ክካየድ እዩ። ጉባኤ፥ ካብ 12 ክሳብ 15 ሓምለ 2018 (July 12 to July 15 2018) ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ . . . እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።” 1ቆረ 10፡ 12.
1 Corinthians 10:12 So, if you think you are standing firm, be careful that you don’t fall!
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ