S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜና ዕረፍቲ: ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ በድርየኒ ፈጸምኩ፡ ወሃይማኖይትየኒ ዐቀብኩ። 2 ጢሞ 4፡7

ሊቀ ካህናት ኣቦይ ቀሺ ገብረሕወት ኃይለ ኣገልጋሊ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወገሪቆን  ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ነሓሰ 11/2017 ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብሰላም ዓሪፎም።

ሊቀ ካህናት ቀሺ /ሕይወት ኣብ ታሪኽ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያ ኤርትራን  ሕዝባን  ካብ ቅድሚ ነፃነት ጀሚሮም ካሳብ ዕለት ዕረፍቶም ብመንፈውነትን ትብዓትን ዘገልገሉ ኣቦ እዮም ነሮም። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 11 ዓመት ካብቶም ብእምነት ምስ ቅዱስ ፓትርያሪክ ኣቡነ እንጦንዮስ ደው አሎም ካብ ዝመከቱ ኣቦታ ሓደ አዮም ነሮም። በዚ ጽኑዕን ሓቀኛን እምነቶን ትብዓቶምን ድማ፥ 2006 ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያሪ እንጦንዮስ  ዝተገብረ ግፍዒ ኣትሪሮም ብምኹናን  ናይ ዞባ ዓንሰባ መሪሓነትን ሓላፍነትን ይትረፈኒ፥ ደሞዝኩም ውን ኣየድልየንን ኢሎም ክሳብ መወዳእታ ዕድሚኦም ኣብከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ኣንጻር ሕሊናይ ዝኽዕነ ነገር ኣይገብርን ብምባል  ካብ ኣገልግልት ደው ኢሎም ከምዝነበሩ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ይሕብሩ። ሊቀ ካህናት /ሕይወት ካብቶም ናይ ኤርትራ ዓበይቲ ሊቃውንትን ዝበሃሉ ቅዱሳንን ብቑዓትን ኣቦታት ሓደ እዮም። ብመንፈሳዊ ትምህርቶም ኣዝዮም ዝበሰሉን ናይ መዝገብን ኣቋቋምን በዓል ሞያ ዝነብሩንኣቦ እዮም። ሊቀ ካህናት ኣቦይ ቀሺ ገብረሕይወት ኣቦ ሓሙሽተ ኣወዳንት ሰለስተ ኣዋልድን ኢዮም ነይሮም።

ኣምላኽ ነቦና ሊቀ ካህናት ቀሺ /ሕይወት ዘለዓለም ዕረፍቲ፡ ንቤተ ሰቦም ድማ ጽንዓት የሃቦም።

Hits: 5652