S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ድሕሪ ዓሠረተ ዓመት ሓደን ፈረቓን፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ዝብል  ኣብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም፥ ብኣካል ምርኣዮም፥ ንመላእ ምእመን ኦርቶዶክስን ፈተውቱን ዘሕጎሰ ፍጻሜ እዩ።

እዚ ድማ ውጽኢት ጸሎት ኩሎም ምእመናን ጸሎት ቅዱስ ኣቦናን እዩ።

እንተ ኾነ ኣብቲ ዕለት ኣቦና ከም ሓደ በደለኛ ኮፍ ኣቢልካ ብደቂ-ደቆም ዝኣኽሉ፥ ብኣእምሮ ይኹን ብዕድመ ክመጣጠንዎም ዘይክእሉ፥ ኣባ መልከጸዴቅን፥ ቀሺ በረኸትን፥ እተባህሉ ውልቀ ሰባት ኣብ ርእሲ ቅዱስ ኣቦና ዘውረድዎ ኣደራዕ ብድዐ ዝመልኦ ቃል ላግጽን፥ ልቢ ኩሉ ዝሰበረ እዩ ነይሩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ’ውን ሓዋርያዊ ቀኖናዊን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝእዝዞ፥ “ለእመ ኀሎ ሊቀ ጳጳስ፥ ኢይባርክ ጳጳስ” ሊቀ ጳጳስ እንተሎ፥ ጳጳስ ኣይባርኽ፥ ዝብል ቀኖና ብምስዓር፥ ቡራኬን ጸሎትን ክመርሑ ዘርፈዱ ጳጳሳት ኣብ ልቢ ሕዝቢ ሕማቕ ስምዒት ኣሕዲሩ እዩ።

ኣብቲ ዝቐረበ ኣቦና ኢሎሞ እናተባህለ ክዝረብ ዘርፈደ፥ ውግዘት ኣልዒሎሙልና ዝብል ዘደንጹ ቃላት እዩ።

እዚ ቃል እዚ ብዙኅ ሕቶታት ከልዕል ግቡእ እዩ።

1. ስለምንታይ ውግዘት እናሃለወ እዚ ኩሉ ዓመታት ተሳዒሩ ብኢደ ወነኖም ክሰርሑ ጸኒሖም?

2. ውግዘት ጸሎተ ፍትሓት ጌርካ እምበር ብጽሑፍ፥ እሞ ድማ ብኣፍ ሓደ ተራ ካህን ንጳጳሳት ክንበብ ይግባእ ድዩ? 

3. ፓትርያርክ እንተ ደኣ ፈቲሖሞም ኮይኖም፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብ መንበሮም ከይተመልሱን እቶም ጳጳሳት ከም ፓትርያርክ ብጸሎቶም ከይተመርሑን ከም ፓትርያርክ ቅድስናኦም ከይተቐበሉን፥ ተፈቲሕና ክብሉ ይኽእሉ ድዮም?

ሕጂ’ውን እንተ ኾነ ኣብ ካልእ ኮለልን ጓል መገዲ ከይተኣትወ፥ ንሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንበር ፓትርያርክነቶም ኮይኖም፥ ቡራኬን ፍትሓትን ክህቡ፥ ቤተ ክርስቲያን ብቀኖናዊን ቅድስናን ክትምራሕ ኣብ ክልተ ተገማሚዑ ዘሎ ሕዝቢ ብዕርቅን ሰላምን ኣብ ሓደ ደምበ ክጓሰ፥ ቅድስና መንበር ክኽበር ንጽውዕ።

መንግሥቲ ኤርትራ ብመሠረት እቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ኣዋጅ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ርእሲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝግበሮ ዘሎ ተጽዕኖን ምትእትታውን ኢዱ ከውጽእ ንጽውዕ።

ምስ ቅድስና ቤተ ክርስቲያን ብዝተተሓሓዘ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ካህናትን መነኮሳትን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ክፍትሑ ጸዋዒትና ነመሓላልፍ።

 

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት

ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div