S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምልኣት ዘይቲ፡ መርኣያ ልቦና [መበል 51 ሰንበት: ቊ.፶፱/59, 2023]

እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ኣብ ጢናአን ዘይቲ ተማልኣ።ማቴ 253,4

 እንሆ፡ እዚ ዕለት መበል 51 ሰንበት ናይ ንዛዝሞ ዘለና ዓመተ-ግእዝዩ። ብጸጋን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ተደጊፍና፡ ጾመ ፍልሰታ ዛዚምና፡ ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ብተስፋ ንጽበይ ኣለና። ብመሰረትይዌድስዋዘርእስቱ ናይ ዕለት መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ነዚ ናይ ማቴ 251-13 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝሓቘፈዩ። እዚ ኽፍሊ ወንጌል ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ጐይታና ዘስተምሃሮ ኣገዳሲ ምስላዩ። እዚ ጐይታና ኣብ ማቴ 24 ማቴ 25 ዝመሃሮ ዅሉ ትምህርቲ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርከብደብረ ዘይትተባሂሉ ዚጽዋዕ ከረን (ጎቦ) ኰይኑ ዝተዛረቦዩ። እዚ ሰፊሕ ምህሮ በቲእዚ (ዝበልካዮ) መኣዝ ኪኸውንዩ፧ ትእምርቲ (ምጽኣትካን) መወዳእታ ዓለምንከ እንታይዩ፧ እስኪ ንገረና።ኢሎም ደቀ መዛሙርቱ ዝሓተትዎ ሕቶ ዝተበገሰዩ። ነቲ ትእምርቲ ምጽኣቱን ትእምርቲ መወዳእታ ዓለምን ኣብ ምዕራፍ 24 ዘርዚሩ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ምዕራፍ 25 ነቲ ኣብ ጊዜ ምጻኣት ዚኽሰት መስርሕ ፍርዲ ዚገልጽን ዜብርህን ሰለስተ ኣገደስቲ ምስላታት ነገሮም። እታ ቐዳመይቲ ምስላ ኸኣ እዛ ሎሚ ምንጭን መሰረትን ናይ ትምህርትና ዀይና ዘላምስላ ዓሰርተ ደናግልዘርእስታ ብልጽቲ ምስላያ።

ኣገባብን ባህልን መርዓ ናይ ኣይሁዳውያን፡ ካብ ናትና ባህሊ ኣዝዩ ዝተፈልየ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ምስላ ብዙሕ ሕቶታት ኬለዓዕለልና ይኽእልዩ። ጐይታና ኣብ ዘመን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንኣይሁዳውያን (ንቤተ እስራኤል) ጥራሕ ስለ ዘገልገለ ንምጽኣቱ ብመንጽር ባህሊ ኣይሁድ ዝገለጾ። ስለ ነዚ ምስላ ኣጸቢቑ ኪርድኦን ንሕመረት መልእኽቱ ኼስተውዕሎን ዚደልይ ግዱስ ኣንባቢ፡ ንመርዓ ብዚምልከት ባህሊ ኣይሁድ ከመይ ምዃኑ ኣጣሊሉ ኺፈልጥ ይግብኦ። ብምልኣት ምግላጹ ዘይከኣል እንተ ዀነ፡ ገለ ኻብኡ ኽንጠቅስ ግን ንኽእል ኢና። ብዕምቈት ንምፍላጡ ግና ብዕቱብ መጽናዕትን ንዝተዳለዉ ጽሑፋትን ሰነዳዊ ፊልምታትን (Documentary films) ምውካስ ኣገዳሲዩ። ቀዳመይቲ ፍሉይነት ናይ መርዓ ኣይሁድ፡ ብዘይ ቈጸራ ዚፍጸም፡ መዓልቲ መርዓ መዓስ መዓስ ምዃኑ፡ ብዘይካ ኣቦ መርዓዊ፡ እቶም እንዳ ጓል ኰነ እቲ መርዓዊ ባዕሉ ፈጺሙ ዘይፈልጦ ምዃኑዩ። ካብጓልኩም ሃቡናተባሂሉትብጻሕኩምዝተባህለላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ እቲ መርዓውን ኣዕርኽቱን፡ እታ መርዓት ምስ መሓዙታን እንዳቦኣን ኪዳለዉ ይጅምሩ። እቲ ኣቦ መርዓዊ ድሕሪ ሰሙን፡ ድሕሪ ወርሒ ወይ ድሕሪ ዓመት ብሃንደበት ነቲ መርዓዊ፡ኪድ መርዓትካ ኣምጽእኢሉ ኣብ ለይቲ ይኹን ኣብ ቀትሪ ኺእዝዞ ይኽእልዩ። ስለ መርዓዊ ምናልባት ምድሪ ምስ ጸልመተ ብለይቲ ኸይመጽእ፡ እታ መርዓትን መሓዙታን መብራህቲ ዜብርሃሉ ቀንዴል (ቀንዴላት) ኣብ ተትርኣሰን ኣዳልየን ይጸንሓ። እቲ ቀንዴል ብዘይቲ ስለ ዚበርህ ድማ ዚኣክል መጠን ዘይቲ ሒዘን ኪጸንሓ ይግባእ። ናብ መርዓ ኺኣትዋ ዚፍቀደለን፡ እተን ዜብርህ ቀንዲል ሒዘን ዝጸንሓ ጥራሕየን። ናብ መርዓ ዚኣትውን ዘይኣትውን ሰብ መን ከም ዝዀነ ዚውስን ድማ እቲ መርዓዊዩ። እቲ መርዓዊ ምስ ኣተወ እቲ ዳስ ወይ ኣዳራሽ ይዕጸውዩ። ንሱ ኸይፈቐደ ድማ ከቶ ኣይኪፈትንዩ። ስለ ብቕዓት ናይ መርዓት ኰነ ናይ መሓዙታ ዚምዘን፡ በቲ ገይረናኦ ዚጸንሓ ምድላዋትዩ። ስለ መርዓ ኣይሁድ ድልውነት ኪፍትሽ ዝተሰርዐ ባህሊዩ። እቲ ድልውነት ብቑዕ ዚኸውን ድማ እታ መርዓት ነቲ መርዓኣን መርዓዊኣን ብዘለዎ ፍቕርን ባህግንዩ። ነቲ መርዓዊ ኣዝያተፍቅሮ፡ ነቲ ዕለተ መርዓኣውን ኣዝያ ትብህጎ እንተ ዀይና፡ ለይቲ ዀነ ቐትሪ ነቒሓን ተዳልያን ትጽበይ። ምጽኣት ጐይታ ድማ ልክዕ ከም መርዓ ኣይሁድ ስለ ዝዀነ፡ ጐይታ ነዚ ምስላ ኸም ኣብነት ተጠቒሙ ኺምህር ፈተወ። ጐይታና፦

እምበኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጻላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹምሞ፡ ንቕሑ።” ኢሉ ብንጹር ስለ ዘፍለጠ፡ ብዓይነቱ እቲ ዝበለጸ ምስላ ኸም ዝተጠቕመ ብዘይ ቃልዓለም ብኣድንቖት እንእመኖ ሓቂ (ማቴ 2513)

እቲ ቐንዲ ወይ ሕመረት መልእኽቲ ናይ ወርቃዊ ምስላ እንታይዩ፧ ናይ ምዘና (ምምዛን) ረቛሒ ዀይኑ ዘሎኸ እንታይዩ፧ ነተን ደናግል መምዘኒ ልቦናኣን ኰይኑ ዘገልገለ ረቛሒ፡ ብርሃንዩ። እቲ ቐንዴልን እቲ ዘይትን ዘድልየሉ ዕላማ፡ እቲ መርዓዊ ብለይቲ ምስ መጸ ቀንዲለን ኣብሪሀን ነቲ መርዓዊ ብብርሃንን ብኽብርን ምእንቲ ኪቕበላኦዩ። ኣብ እዋንዚኣ ብርሃን ከተብርህ ዘይትኽእል ድንግል፡ ነቲ መርዓዊ ኰነ ነታ መርዓት ዘይትበቅዕ ከንቱ ሰብያ። እዚ ኸኣ ትምህርቲ ዀነ መዛኻኸሪ ዘይትደልየሉ ርዱእ ሓቂዩ። ስለ እታ ኸተብርህ ዘይተዳለወት ድንግል፡ ነቲ መርዓዊ ዀነ ነታ መርዓት፡ ብዓብዪውን ነቲ ጽምብል ከተበላሽው ዝተዓጥቀት ጸያቒቶያ። ናብ ጽምብል መርዓ ክትጽምበር ዘይተደልየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ።

ዕሽነት ናይተን ዓያሱ ደናግል ዝተጋህደ እቲ መርዓዊ ምስ መጸን፡ ድምቀት ብርሃን ምስ ተደልየንዩ። እቲ ብርሃን እቲ መርዓዊ ምስ መጸ ዜድልይ ደኣ ይኹንምበር፡ እቲ ብርሃን ከተብርህ ዜድልየካ ምድላዋት ግን ገና መርዓ ኸም ዘሎ ኻብ ዝተፈልጠሉ እዋን ዚጅምርዩ። ብዘይ ዘይቲ እቲ ቐንዴል ኬብርህ ኣይክእልንዩ። እቲ ዘይቲ ድማ ኣብ ናይ መርዓ ቦታ ኣይርከብንዩ። ገና ጊዜ ኸሎ፡ ናብ ዕዳጋ ኼድካ ዚሽመትዩ። ፍርቂ ለይቲ ድማ ዕድጊ ዚፍጸመሉ ዕዳጋ የለን። ነቲ ዕሽነተን ኣዝዩ ዘግደዶ ድማ፡ ቀቀንዴለን ሒዘን ኬብቅዓ፡ ዘይቲ ዘይምሓዘንዩ። ካብተን ዓሰርተ ደናግል ፍርቀን ዓያሱ ዀይነን ምጽንሐን፡ ንድምቀት ናይ መርዓ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜጕድሎ ርዱእዩ። እቲ ልቦናን ዕሽነትን ናይተን ደናግል ኣብ ዕለተ መርዓ ደኣ ንርእሰን ኰነ ንዅሉ ሰብ ተጋሂዱምበር፡ ገና ኻብ መርዓ ዝተሓስበሉ ጊዜ ኣትሒዙ ዝነበረ፡ ሱር ዝሰደደ ዝነበረ። ብመሰረት ምስላዚ፡ለባማትዝተባህለ እተን ብዛዕባ ዘይትድገም፡ ካልኣይ ዕድል ዘይትህብ መዓልቲ ኣቐዲመን ዝሓሰባን ዚግባእ ምድላዋት ገይረን ድሕሪ ምጽፋፈን ዝደቀሳየን። እተን ዓያሱ ግን መርዓ ኸም ዘሎ ኻብ ምፍላጥ ዚሓልፍ ዝዀነ ሓልዮትን ሓሳባትን ኣይነበረንን። ንእኣን ዕሽነት ኰይኑ ዝተራእየን፡ ብዛዕባ ነናይ ዕለት ጕዳያት ምሕሳብ ገዲፍካ፡ ብዛዕባ ዘይተፈልጠ መዓልቲ ምጭናቕን ምህላኽንዩ። ኣብ ናትና ባህሊ መርዓ ኣእቲና ንርኣዮ። ወራዶ መርዓ ናብ ኣፍ ደገ ገዛኦም ምስ ቀረቡ፡ እቲ ሰብኣይ መስርሕ ዳስ ዚኸውን ናዉቲ ኺእክብ፡ እታ ሰበይቲ ድማ ንብልዕን መስተን ዚኸውን ክትሽምት ናብ ዕዳጋ ኽትከይድ ኣብ ኣፍደገ ገዛኦም ጎፍንጎፍ እንተ ዚራኸቡ፡ ከመይ ዝበለ ንኽትሰምዖ ዜሰቅቕ ዜና ምዀነ ነይሩ!!

እዚ ምስላ ንኣና ኣመልኪቱ ስለ ዝተመሰለ፡ ብመንጽር ምስላ ህይወትና ኽንምርምር ይድለይ ኣሎ። ጐይታና ነቶም ብእኡ ዝኣመኑን ዝሰዓብዎን ደቀ መዛሙርቱንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹምብምባል ብወግዒ ኣፍለጦም (ማቴ 514) እዛንነብረላ ዘለና ዓለምን እቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ዅሎም ሰባትን ድማጸልማትእዮም። ክርስትያን ምዃን ማለት ድማ ኣብ ጸልማት ዓለምዚኣ ኸም ዜብርህ ቀንዴል ብርሃን ምዃንዩ። እግዚአብሔር ብርሃን (1ዮሃ 15 መዝ 271) እግዚአብሔር ብርሃን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣቦ ዅሉ ብርሃናትውን (ያእ 17) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ፍጹም ብርሃን (ዮሃ 14,7-9 ዮሃ 319 812 1235,36,46) ንሕና ኸኣ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና፡ ካብ ብርሃናዊ ባህርዩውን ስለ ዘካፈለና፡ ብርሃን ኴንካ ናይ ምንባር ሓላፍነት ኣሎና። ብኻልኣይ ደረጃውን ብክርስቶስ ኢየሱስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ካልኣይ ልደት ዝረኸብና ክርስትያን ህዝቢ ስለ ዝዀንና፡ ብርሃን ዓለም ናይ ምዃን ድርብ ሓላፍነት ዘሎና ኢና። እቶም ብርሃን ምዃኖም ዘይፈለጡን ፈሊጦም ዝኸሓዱን ሰባት፡ ኣብ ዓለምዚኣ ጸልማት ኰይኖም ይመላለሱ፡ ነቲ ጸልማት ናይ ዓለም ድማ ብዝኸፍአ የድምቕዎ ኣለዉ። ንሕና ግን ንብርሃን ክርስቶስ ከነድምቕ ኣብ ዓለምዚኣ ብወዝቢ ዝተወለድና ዘይኰነስ፡ ብዕላማ ብተልእኾ ዝመጻእና ሰባት ኢና። ብክርስቶስ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ቅዱሳን ዝዀንና ዅልና፡ እዚ ሓቂ ኸም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኺረኣየና ዚግባእዩ።

ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ብርሃን ናይ ምዃን ተልእኾናን ሓላፍነትናን በቲ ዘለኣለማዊ ቃሉን ብግብራዊ ኣርኣያኡን ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማቴ 514-16) ቅዱሳን ሃዋርያትውን፡ ልክዕ ከም ጐይታኦም፡ ብቓልን ብግብርን ኣዚዞምናዮም።

“......ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹምሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ (ስለ) ንጐይታ ዜሐጕሶ (እንታይ ምዃኑ) እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። (ነቶም ደቂ ጸልማት) ግንሕዎም ደኣምበር፡ ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። እቲ ብኣታቶም (ብግሁድ ኰነ) ብሕቡእ ዚግበር፡ (ይትረፍ ባዕልኻ ክትገብሮ) ንምዝራቡ ነውሪዩ።ኤፌ 59-12

እምበኣር ሓሳባትና፡ ዘረባና፡ ግብርታትና ብምሉኡ ብርሃናዊ ኪኸውን ዚግባእ። እቶም ነቲ ኣምላኽ ዘውረሶም መልክዕን ምስልን ዝዓቀቡ ሰባት፡ ብኣገላልጻ መጽሓፍ ቅዱስ፡ደቂ ብርሃን፡ ደቂ መዓልቲተባሂሎም ይጽውዑ። ስለ ናይ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝተወለድና ርግጸኛታት እንኸውን፡ ከም ኣምላኽ ብርሃን ዝዀነ፡ ንሕናውን ብርሃን ኴንና ኽንነብር ከለናዩ።

ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃን ደቂ መዓልቲ ኢኹምሞ፡ እታ መዓልቲ (ምጽኣት) ከም ሰራቒ ከይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘለኹም። ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕንምበር ከምቶም ካልኦት (ከምቶም ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን) ኣይንደቅስ። ..... ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንና፡ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፡ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸኣ ከም ቍራዕ ርእሲ (ኣብ ርእስና) ደፊእና ገዛእ ርእስና ብምግታእ (ብጥንቃቐ) ንንበር።” 1ተሰ 54-6 (. + .)

ብርሃነ ምዃን ተፈጥሮናን መንነትናንምበር፡ ተለቂሕና እነምጽኦ፡ ወይ ብልምምድ እነጥርዮ ጋሻን ጓናን ባህርይና ኣይኰነን። ብርሃን ምስ ጸልማት ፍጹም መጻርርቲ ስለ ዝዀኑ፡ ዝዀነ ዓይነት ሕብረት የብሎምን (2ቈረ 614) ስለ ኣምላኽ ብርሃን ስለ ዝዀነ ኣብኡ ሓንቲ ጸልማት ኣይትርከብን (1ዮሃ 15) ኣብቶም ደቂ ኣምላኽን ደቂ ብርሃንንውን፡ ንጸልማት ዚኸውን ስፍራን ዕድልን የልቦን። ሓይሊ ብርሃን ብርቱዕ ስለ ዝዀነ፡ ጸልማት ኣይሕዞን፡ ጸልማት ኣይዓግቶን (ዮሃ 15)። ብርሃን ዚበሃል ዘሎ ግን እንታይዩ፧ እዚ በዒንትና እንርእዮ ኣካላዊ (physical) ብርሃን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን!! እዚ ኣካላዊ ብርሃንሞ፡ ናይዘን ግኡዛን ፍጥረታት ናይ ጸሓይን ወርሕን ክዋኽብትን፡ ወይውን ናይዞም ሰብ ዝመሃዞም ላምፓዲና፡ ጀነረይተር ወዘተዮምምበር፡ ናይ ሰብ ብርሃን ኣይኰነን። ኣብቶም ክሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮም ጥቕስታት፡ እቶም ብርሃናውያን ዝዀኑ ባህርያትን ግብርታትን ናይ ሰብ ድሮ ተጠቒሶምን ተኣንፊቶምን ኣለዉ። እቲ ንጐይታ ዜሐጕሶ ዘበለ ዅሉ ግብርታት፡ ንሱ ግብሪ ብርሃንዩ። ግብሪ ጸልማት ድማ እቲ ንኽትዛረበሉ ዜሕፍር ኵሉ እኩይ ግብርታትዩ። ብርሃን ወይ ጸልማት እንኸውን ንሕና ኢና። እቲ ግብርና ድማ፡ ልክዕ ከም ለቢስናዮ ዘለና መንነት፡ ወይ ግብሪ ብርሃን ወይውን ግብሪ ጸልማት ይኸውን ማለትዩ። ኣብ ዘንበብናዮ ናይ 1ተሰ 58 ጥቕሲ፡ ፍቕርን እምነትን ግብሪ ብርሃን ምዃነንን፡ ካብ ናይ ጸልማት መጥቃዕቲ ድማ ከም ድርዒ ዀይነን ከም ዚከላኸላልና ተማሂርና ኣለና። ቅዱስ ጳውሎስ፦ ለይቲ ሓሊፋ መዓልቲ ቐሪባሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን ብመስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን።” ብምባል ዝጸሓፈልና ቓልውን፡ እቲ ናይ ጸልማት ኰነ ናይ ብርሃን ግብሪ እንታይ ምዃኑ ብስእላዊ መልክዕ ዜርእየና (ሮሜ 1312,13)

እዚ ሃዋርያዊ ቓል ክንስሕቶ ዘይግብኣና ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ምርኡይ ሓቂውን ገሊጹልና ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ እነዘውትሮ ግብሪ፡ ናይ ጸልማት ይኹን ናይ ብርሃን፡ ንሱ ኣጽዋርና ምዃኑዩ። ድርዒ ኣብ ዙርያ ኣፍ ልብኻ እትዕጠቖ ካብ ዚውርወር ቀስቲ፡ ካብ ዚስንዘር ሰይፍን ኲናትን ዚከላኸል ኣጽዋርዩ። ኣብ ናይ 1ተሰ 58 ጥቕሲ፡ ፍቕርን እምነትን መንፈሳዊ ድርዕና ምዃነን ተነጊሩና ኣሎ። ኣብ ኤፌ 611-18 ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ወንጌል፡ እምነት፡ ድሕነት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ጸሎት እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ኣምላኽ ከም ዝዀና ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ። ስለ እቲ እነዘውትሮ ግብሪ ብርሃን፡ ኣጽዋር ኰይኑ ነቲ ንጉስ ጸልማት ዝዀነ ድያብሎስን ንናይ ሰብ ኰነ ናይ ኣጋንንትን ስራዊቱን ኸም ዜጥቅዖምን ከም ዚስዕሮምን እዚ ሃዋርያዊ ቓል የረጋግጸልና ኣሎ። ስለ ግብሪ ብርሃን ምግባርና ናይ ኣምላኽ ዓቀይቶት (ወተሃደራት) ኴንና መንፈሳዊ ውግእ፡ ውግእ ኣምላኽ ንዋጋእ ከም ዘለና ዜመልክትዩ። ሕማቕ ምርጫን ትዕድልትን ኰይኑ፡ ዝወጻልና ጸልማትን ደቂ ጸልማትን ኴንና ግብሪ ጸልማት ከነዘውትር ከለና ድማ ኣጽዋር ጸልማት ተዓጢቕና ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዲቕ ዝበለ ርሱን ውግእ ተጸሚድና ምህላውና ኽንግንዘብ ይግባእ። እዚ ኽፉእ ውግእ ኣብ መወዳእታ ናብ ሰይጣን ዚድርበየለን ቐላይ ሓዊ፡ ናብ ገሃነም ዜእትወና። ስለ ኢና መንነትናን ዕጥቅናን ከይነበላሽው ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ዚግብኣና። ከመይሲ፡ ብገዛእ ምርጫኻ ካብ ምጥፋእን ካብ ምስቓይን ዚኸፍእ ዕሽነት የልቦን።

ጸልማት ማዕረ ክንደይ ሕሱምን መሳቐዪን ምዃኑ፡ ኣብተን ኣካላዊ ብርሃን ዝሰኣንናለን ኣጋጣሚታት ጽቡቕ ጌርና ተዓዚብናዮ ኣለና። ብፍላይቶም ኣዒንቶም ዝሰኣኑ ዓይነ ስዉራን ድማ ሓለፋ ዅላትና ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎዮም። መንፈሳዊ ጸልማት ግን ካብ ኣካላዊ ጸልማት ኪግለጽ ብዘይክእል ዕጽፍታት ዝኸፍአዩ። ጐይታና ኣብ ትምህርቱ፡ ንሕሰም ጸልማት፦

ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን!!”

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 622,23) እግዚአብሔር ኪፈጥረና ኸሎ ዀነ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ኪወልደና ኸሎ ኣባና ብርሃን ኣንቢሩልናዩ። ዓለወኛታት ኴንና ምስ ንጉስ ጸልማት ኪዳን ዓመጻ ምስ ኣተና ግና፡ ከም ጐይታ ዝበሎ፡ ነቲ ኣባና ዘሎ ብርሃን ብምርጫና ነጸልምቶ፡ ባዕላውን ምርጫውን ጸልማት ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዕብየት ናይ ጸልማትና ልዑል ይኸውን። ናይ ሓጺር ዕድመ ጸልማት እንተ ዀነ፡ ዓስቡ ግን ዘለኣለማዊ ጸልማትዩ። ሓዊ ገሃነም ድማ፡ ከም ናይ ምድሪ ሓዊ፡ ፈጺሙ ዘየብርህዩ። ስለ ነቶም ናብ ገሃነም ዚድርበዩ፡ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማትከም ዚድርበዩ ቕዱስ ወንጌል ዚነግረና (ማቴ 1112 1341,42 2213 2530 2ተሰ 18-10) ጐይታና ባዕሉ ዀነ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ እቲ ሰናይ ግብሪ ዜጽልኦ ሰብ፡ እቲ ብፍቕሪ ጸልማት ዝተጠቕዐ ሰብ ምዃኑ ገሊጾምልና ኣለዉ።

እቲ ፍርዲ እዚዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእሞ፡ ናብ ብርሃን (ናብ ክርስቶስ) ኣይመጽእንዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን ዚመጽእ።ዮሃ 319-2

“....እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ትእዛዝ ሓድሽዩ። ናይ ትእዛዝ (ሓቅነት) ድማ ኣባኻትኩም ኰነ ኣብ ክርስቶስ ተራእዩዩ። ከመይ ጸልማት ሓሊፉዩ፡ (እቲ) ብርሃን ሓቂውን ድሮ የብርህ ኣሎ። (እቲ) “ኣብ ብርሃን ኣለኹዚብል፡ (ግን ከኣ) ንሓዉ ዚጸልእ (ሰብ) ገና ኣብ ጸልማት ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅር፡ ኣብ ብርሃን ዚነብር ኣብኡውን መዓንቀፊ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት ዘሎ ኣብ ጸልማትውን ይነብር። ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥንዩ፡ ......”ምስኡ ሕብረት ኣሎናእናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና፡ ንሕስው ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና። ከም ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃናዩ።” 1ዮሃ 28-11 16,7 .

ኣብ ቕዱስ መልእኽቲዚ፡ ረብሓ ብርሃንን ዕንወትን ጕድኣትን ናይ ጸልማት ብንጹር በሪሁልና ኣሎ። ይውሓድ ይብዛሕ፡ ይዕበይ ይንኣስ ብዘየገድስ፡ ኣብ ህይወትና ዝዀነ ዓይነት ግብሪ ጸልማት ከይርከበና ርእስና ብዕቱብ ክንፍትሽን፡ ብዝተረኽበና መጠን ንስሓ ኣቲና ብደም ክርስቶስ ክንነጽህን ይግብኣና።

ዕላማ ናይ ብርሃን፡ ናብ ገዛእ ርእስና ዘድሃበ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ሰባት ብርሃን ክንኰነሎምውን መንፈሳዊ ሓላፍነትናዩ። ስለ ድማ ጐይታና፦ መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁንዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ብምባል ዝኣዘዘና (ማቴ 515,16) ናይ እግዚአብሔር ብርሃን ኣብ ጸልማት ዓለም ዚግለጽ፡ በቶም ደቂ ብርሃን ዝዀንና ደቁ ጥራሕዩ። ስለ እቲ ኺበርህ እናተገብኦ፡ ግብሪ ጸልማት ዜዘውትር፡ ነቲ ናቱ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ብርሃንውን ኬጸልምት ዚጋደል ዕሉል ጸላኢ ናይ ኣምላኽዩ።

ብኸመይ ኢና ብርሃን ኴንናስ ከነብርህ እንኽእል፧ ንእግዚአብሔር ብርሃን ምዃን ናይ ባህርይ ገንዘቡ ስለ ዝዀነ፡ ብርሃን ንኪኸውን ዜድልዮ ነገር ወይ ዚሕግዞ ኣካል ኣየድልዮንዩ። ንሕና ግና ብርሃን ምዃን ካብ ኣምላኽ እንወርሶምበር፡ ካብ ገዛእ ርእስና ኽንኰኖ ወይ ክንገብሮ ኣይንኽእል ኢና። ስለ ኸም ነታ ቐንዴል ንኽትበርህ ዘይቲ ዜድልያ፡ ንኣናውን የድልየናዩ። ናይ ወዲ ሰብ ዘይቲ ድማ መንፈስ ቅዱስ (1ዮሃ 220,27) ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክርስትያን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ምስ ተወለድና ኢና ውሉድ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስትያን እንኸውን። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ስለ ዘይንኽእልዩ፡ ንዘለኣለም ምሳና ኺነብር ዝተዋህበና (ዮሃ 1416,17) ዚመርሓና፡ ዚምህረና፡ ዜጸናንዓና፡ ዚድግፈና ንሱ (ዮሃ 1416,26 1526 167,8,13,14 ሮሜ 826,27) ናብቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ ኺወርድ ከሎ፡ ብመልክዕ ልሳን ሓዊ ዝወረደሉ ምኽንያት፡ ብርሃንነትና ኣብ ናቱ ግብሪ ኸም ዚምርኰስ ንኼመልክተናዩ። ብርሃን ሃዋርያት ኣዝዩ ዝደመቐ ድማ ነዚ ሓዊ ምስ ተቐበሉዩ። ዓለም ነዚ ብርሃን ናይ ሓዊ ኸተጥፍእ ብምሉእ ሓይላ ተጋዲላ ኣይሰላጣን። ንሓውን ብርሃንን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኬጥፍኦ ዚኽእል፡ እቲ ዝተቐበሎ ክርስትያን ብጸልማት ኪመላለስ መሪጹ ነቲ ዝተቐበሎ መንፈስ ምስ ዜጥፍኦ፡ ወይ ካብ ህይወቱ ምስ ዜርሕቖ ጥራሕዩ። ስለ ኸኣሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡዝተባህለልና (1ተሰ 519 .) እቲ ክርስትያን ኬዘውትሮ ዚግባእ ሰናይ ግብሪ፡ፍረ መንፈስ ፍረ ብርሃንተባሂሉ ዚጽዋዕ (ገላ 522 ኤፌ 58-10) እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ህይወቱ ዘርሓቐ ሰብን፡ ዘይቱ ዝወደአ ቐንዴልን፡ ፍሪኦም ጸልማት ጥራሕ ዚኸውን። እቲ ኽንበርህ ዜኽእለና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና እናሃለወ፡ ግብሪ ጸልማት ጥራሕ ምስ እነዘውትር፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ እቲ ኣባና ዝሓደረ ቕዱስ መንፈስ እምብዛ ይጕህይ (ኤፌ 430) ምምላስ ምስ ኣበና ምስ ቀበጸና፡ ርስቱ ሓዲጉ ይወጽእ። ዕጫና ድማ ነቲ ናይ ንጉስ ሳኦል ይመስል (1ሳሙ 106 1614 ኢሳ 639,10) ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ድማ ነቲ ንጉስ ብርሃን ግብ ዝበለ ጸልማት ኴንና ንጸንሖ። ፍርድና ድማ ናብ ዘፍቀርናዮን ተወፊና ዘገልገልናዮን ዘለኣለማዊ ጸልማት ምድርባይ ይኸውን። ኣብ ህይወትካ ስልጣን ጸልማት ኪገዝእ ምፍቓድ፡ ወዲ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል እቲ ዝኸፍአን ዝኸበደን ዕሽነትዩ። ስጋ ዝለበሰ ዕሽነት፡ ስጋ ዝለበሰ ጸልማት ክትከውን መሪጽካ ማለትዩ።

እምበኣር ብፍቕሪ ጸልማትን ብፍቕሪ ዕሽነትን ከይንልከፍ ንጠንቀቕ። መብራህቲ ገዛ እንተ ጠፍኣትና ንስምብድ ዓቕሊ ነጽብብ፡ ብርሃን ንምርካብ ድማ ሃተምተም ንብል። መንፈሳዊ ጸልማት ንስጋናን ነፍስናን ውሒጥዎ እናሃለወ ግን፡ ገለ ዝጐደለና ዘይመስለና፡ አረ ኸም ኣራዊት መሮር ሽዑ ብዝያዳ ዚብርሃና ምስ እንኸውን፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኸም ዘለና ኣይንዘንግዕ። በቲ ብግብሪ ጸልማት ንጊዚኡ ዚስምዓና ሓጐስን ሓበንን ኣይንጠበር። እቲ ዘለኣለማዊ ዓስቡ ግን ከቶ ዘይጽወርን ዕረፍቲ ዘይብሉንዩ። ስለ ኣንጻር ተፈጥሮናን ኣንጻር ፈጣሪናን ኣይንቑም። ነቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዘካፈለና፡ ብሞት ሓደን ቅዱስን ወዱ ዝጸገወና ብርሃናዊ ባህርይ ነኽብሮምበር ኣይንጸየፎ። ግብሪ ብርሃን ጥራሕ ነዘውትር፡ ኣጽዋር ብርሃን ጥራሕ ንተዓጠቕ። ኣሽንኳይ ነቲ ጸልማቱ ብሂግናሉ፡ እናጸላእናዮውን ኬጥብቐልና ዚጋደልን ዚበላሓትን ንጉስ ጸልማት ጸሚዱልና ዘሎ። ስለ ነቲ ንብርሃንና ዜድምቐልና መንፈስ ቅዱስ ነኽብሮን ንተኣዘዞን። ነቲ ናይ ጐይታን ናይ ቅዱሳኑን ኣርኣያ ኣጽኒዕና ንሓዝ። ብብርሃንና ደኣ ንደቂ ጸልማት ነብርሃሎምምበር፡ ደቂ ጸልማትሲ ኣይንኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ነሓሰ 21, 2015 ግዕዝ (27 ነሓሰ 2023  [መበል 51 ሰንበት: .፶፱/59, 2023] )

ምስባክ

 መዝ.፵፬(፵፭)፡፱

አዋልደ ንግሥት በየማንከ። ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት።

 

ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻየን፡ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፡ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 218-ፍጻመ

ዲያቆን

ዮሃ 11-7

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2717-22

ንፍቅ ካህን

ማቴ 251-13

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዚእትነ

መዝሙር ይዌድስዋ

Hits: 124