S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደብዳበ ካብ ቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናብ ኩሎም ምእመናን

ቦኽሪ ደብዳቤ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ። እዚ ዝስዕብ ንምንባቡ ክቐልል ተባሂሉ እንደገና ዝተጻሕፈ እዩ።

ዕለት: 13 ጥሪ 2006

ናብ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ጳጳሳትን፡ ኤጲስ ቆጶሳትን ኣባላት ሲኖዶስ።

ኣቐዲመ መንፈሳዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም እብል።

ኣስዒበ ድማ፡ ብዕለት 05/05/1998 ዓ.ም.ግ (13/01/2006 ዓ.ፈ) ብቁ 04/225/4428 ዝጸሓፍኩሙለይ ካብ ፓትርያርክ መዓርግ ኣውሪድናካ ዝብል ካብ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ካብ ዲድስቅልያ፡ ካብ ፍትሓ ነገሥት፡ ካብ ቀሌመንጦስ ወጻኢ፡ ዘይሕጋዊ ውሳኔኹም፡ በጺሑኒ። ስለዚ እቲ ካብ መዓርግ ምውራድ፡ ብሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ብፍትሓ ነገሥት ፓትርያርክ፡

ሀ. ብዝሙት፡

ለ. ብእምነት ምጉዳል፡

ሐ. ብስንክልና ማለት ክሰርሕ ዘይክእል እንተ ኾነ ጥራይ እዩ ክወርድ ዝኽእል እምበር፡ በቲ ዝጠቐስክምዎ ኣንኳይ ካብ መዓርግ ከውርደኒ፡ ዘየሕትተኒ’ውን እዩ።

እዚ’ውን ተሰዊርኩም ኣይኮነን ልዕሊ ሕጊ ክትነብሩ ስለ ዝደለኹም ጥራይ እዩ። ማንም ድማ ልዕሊ ሕጊ ክነብር ዝኽእል የለን። ከመይ ሕጊ እንተ ረገጽካዮ መሊሱ እዩ ዝረግጸካ። ብምጉዳል እምነት እንተ ኾነውን፡ እምነተይ ተሓቲተ መልሲ ከይሃብኩ ብገበን ካልእ ከኣ እዚ ኣለካ ከይተበሃልኩ፡ ኣብዚውን ዝግብኣኒ መልሲ ከይሃብኩ፡ ከይተሓተትኩ፡ ባዕልኻትም ከሰስቲ፡ ባዕልኻትም ፈረድቲ፡ ኮንኩም ስለ ዝፈጸምክምዎ፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ክፋረደኩም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፍርድኹም ዘይሕጋውን ኣብ ማንም ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ተራእዩ ተሰሚዑን ዘይፈልጥ’ውን እዩ። እዚ ወሲንክምዎ ዘሎኹም መሠረተ ኣልቦ ክሲ፡ ንሱ ዘይኮነ ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ምሕላፍ ዘብጻሓኩም ድፍረት ግን ኣነ ኣቐዲመ ንቤተ ክርስቲያን ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ምእመን ክመርሓ ወይ ከመሓድራ ብሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ፍጹም ክልኩል እዩ ጥራይ ስለ ዝበልኩ እዩ እቲ ሓቀኛ ምሥጢር።

ስለዚ ክስኹም ኣብ ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ሊቃውንትን ኤርትራን ቀሪቡ ኣነውን ብኣካል ቀሪበ መልሲ ከይሃብኩሉ እሞ ውሳኔ ጉባኤ ኣብ ሕዝቢ ከይተሰምዐ፡ ከምቲ ሕጊ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ሕጊ ፍትሓ ነገስትን ከምቲ ምስ ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎና 17 ዓንቀጻት ብምጥሓስን፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ክኽሰስ ከሎ፡ ናይታ ሓንቲ ፓትርያርክ ኣብ ጉባኤ ተረኺቡ፡ ነቲ ክሲ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ምዃኑ ውሳኔ ከይሃበሉ፡ ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ከም ዘይወርድ፡ ኣብ ኩለን ጸኒሑ ዘሎ እዩ። ነዚ’ኸ ኣበይ ጎሲኹሞ ሓሊፍኩም ኣለኹም? በዚ መሠረት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቀሪቡ ክረኣየለይ ይግባይ ናብ፡

ሀ. ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

ለ. ኣብታ ብሓዋርያዊ እምነት ሰንሰለት ኣደ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ይግባይ ኢለ ኣሎኹ። እዚ ኩሉ ነቲ ድፍኢት ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ከዊልኩም፡ በደል እዩ ዝበልክምዎ፡ በዞም ዝጠቐስኩዎም ሕጋጋት ተራእዩ ክሳብ ዘይተመለሰ፡

ሀ. ፓትርያርክ፡

ለ. ጳጳስ፡ ኤጲስ ቆጶስ፡ ካህን ዲያቆን፡ ከይትሾሙ፡ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን አወግዝ ኣለኹ። ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ በዚ ሕጊዚ ተመሥሪትኩም ክትእደቡ አፍልጠኩም። ነዚ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዘለዎ ሥልጣን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ከይሰርሕ ውጉዝ ይኹን ኢለ ኣሎኹ።

ከምኡውን ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ምክትል ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ሥልጣን ፓትርያርክ እትጽሕፎ ዘለኻ ዘይሕጋውን ድፍረት ዝመልኦ ዘይሕጋውያን ቃላት፡ ካብ ዕለት 8/05/1998 ግእዝ ብዲቁና ይኹን ብክህነት ከምኡውን ብካልእ ኣገልግሎት ከይተገልግል ኣውጊዘካ ኣሎኹ። እዚ ዝሰደልኩም ዘለኹ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝበጽሓኩም ግዜ ናብ ሕዝቢ ከተንብብዎ ብህያው ኣምላኽ አማሕጽነኩም ኣለኹ።

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ሰላም ይሃባ። ንኤርትራ ሃገርና ይባርኽ።

ቅዳሕ:-

ብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ

His Holiness Antonyos I

Third Patriarch of Eritrea

Hits: 22578