S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ታሪኽ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ። ኣሜን።

ከምቲ  ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝጻወቱ ብዙሓት ተዓዘብትን ደገፍትን ድማ ዝከታተልዎምን ዝድግፍዎምን፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣብ ሜዳ ቅልስ ህይወት ክንቃለስ ከሎና ጉያኦም ወዲኦም ሰናይ ገድሊ ዝተጋደሉ ቅዱሳን ከም ደመና ኣብ ዙርያና ኮይኖም ዝዕዘቡን

ዝኸቡን ኣለዉ። ንሕና ድማ ኣብ ጉያና ንዕኦም ጠሚትና እቶም ቅድሜና ዝነበሩ እኳ በዚ ሓሊፎም እዮም ቢልና ብተስፋ ንምላእ ተስፋ ንገብር። ኣብ ሜዳ ቃልሲ ህይወት ድማ ብጽንዓትን ብእምነትን ንጋደል።" ወበእንተ ዝንቱ ንሕነኒ እለ ብነ እሙንቱ ሰማዕት ኩሎሙ ዘየዐውዱነ ከመ ደመና ንግድፍ እምላዕሌና ኩሎ ክበደ ወሁከተ ኃጢአት። ወንሩጽ በትዕግስት ኀበ ዘጽኑሕ ለነ ተስፋነ። ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ" (ዕብ 121)

እምበኣር ሎሚ ብጣዕሚ መሃሪ ህይወት ዝነበሮም ሓቀኛ ጓሳ ዝነበሩ፥ ብትምህርቶም ዘይማረኽ መጻሕፍቶም ኣንቢቡ ዘይምሰጥ ዘየለ፥ ስሞም ካብ ግብጺ ሓሊፉ ኣብ ዓለም  ዝገነነ፥ ህይወቶም ብጣዕሚ ማራኽን ካብ ቤተ ክርስቲያን ሓሊፎም ንግብጺ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ኣብ ዝዓረፉሉ ወቕቲ ግብጺ ብምልኣ ሓዚና ነይራ። እዞም ኣቦ ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ኣቦና ብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ እዮም። ኣገልገልቲ ሰናይ ዝኾነ ገድሎም ምስ ንሰምዕ ጽቡቕ እዩ' ታሪኾም ተርጊመ ኣቕሪበዮ ኣለኹ ሰናይ ንባብ።

ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ብዝሰዓረሉ ብፍቕሪ መስቀሉ ዝገዝኣና መዓልቲ ብኣቋጻጽራ ግእዝ ኣብ ዕለተ ዓርቢ 27 ሓምለ 1915 / ብኣቋጻጽራ ፈረንጂ  3 ሓምለ 1923 / ኣብ ላዕላይ ግብጺ ኣስዩጥ ኣብኑብ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ናይ ኮፕቲክ ብርሃን ናይ ሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስ ፍረ፡ ንቤተ ሰቦም ናይ መወዳእታ ውሉድ ኮይኖም ዝተወልዱ ወለዶም ዝሃብዎም ስም ናዚር ጋዪድ ዝብል ነበረ። ገና ምስ ተወልዱ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ኣዲኦም ዝሰኣኑ ሽኖዳ ምስ ሓሙሽተ ኣሓቶምን ምስ ክልተ ኣሕዋቶምን ንበይኖም ተረፉ።ኣብ ግዜ ቁልዕነቶም ብጣዕሚ ርጉእን መስተውዓልን ነበሩ።ናይ መጀመርያ ትምህርቲ ኣብ ዳምንሁር ባንሃ ካይሮ ተኸታቲሎም ካብ ዩኒቨርቲ ካይሮ ናይ መጀመርያ ዲግሪኦም ብታሪኽን ብቋንቋ እንግሊዝን ወሰዱ።ካብኡ ድማ ካብ ኮፕቲክ ሴሚናሪ ብነገረ መለኮት ናይ መጀመርያ ዲግሪ ረኺቦም ኣብቲ ሴሚናሪ ናይ ብሉይ ኪዳንን ሓዱሽ ኪዳንን መምህር ኮኑ። ንቤተ ክርስቲያን ግብጺ ካብ ድኻም ዘበራትዐ  ሓቢብ ጊዮርጊስ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ምንቅስቓስ ክጅምር ከሎ ቀንዲ ናይቲ ተልእኾ ኣንቀሳቓሲ ሺኖዳ ነበሩ።ንሶም በቲ ወቕቲ ናይ ኮፕቲክ መናእሰያት ሕብረት መስረቱ።ንቤተ ትምህርቲ ሰንበት መጽሄታትን ዝተፋላለዩ ጽሑፋትን ብምብርካት ንመንእሰያት የበራትዑ ነበሩ።ድሒሩ ናይ 'መንፈስ ሓርነት' ተብሂሉ ዝተጻሕፈ መጽሓፎም ናይዞም ጽሑፋት እኩብ እዩ።

ኣብ  18 ሓምለ  1954 ኣብ ዋዲ ኤል ናትሩን ዝርከብ ናይ ሶርያውያን ገዳም ኣትዮም ምንኩስና ተቐበሉ።ናይቲ ገዳም አበ ምኔት እንጦንስ ዝብል ስም ሂብዎም።ኣብቲ ገዳም ሺኖዳ ሓያሎ ቀዳሞት  መጻሕፍቲ  ቤተ ክርስቲያን ምንባቦም ይንገር።ምስ መንኮሱ ኣብ ዓመቶም ክህነት ተቐበሉ።ሺኖዳ ልዕሊ ማንም ንምንኩስናን ናይ ምናኔ ህይወት ፍሉይ ትኹረት ነይርዎም።ኣብ ዘመኖም ኣብ ግብጺ ዝነበሩን ንግብጻውያን ገዳማዊ ህይወት እንደገና ንምስፍሕፋሕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ኤርትራዊ ኣብደል መሲሕ (ገብረ ክርስቶስ) ደቀ መዝሙር ነበሩ።ናይ ገብረ ክርስቶስ ፍጹም መገዲ ንምኽታል ይጽዕሩ ነበሩ።በዚ ዝተላዕለ ድማ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበሩ ብተባህትዎ ነበረ።መጀመርያ ካብቲ ገዳም ስለስተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ኣብ ውሽጢ ሓደ በዓቲ ተቐመጡ፡ብምቕጻል ድማ ካብቲ ገዳም ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ብባሕሪ ኣል ፋሪግ ዝርከብ በዓቲ ኣትዮም ተጋድሎኦም ቀጸሉ።

ባሕታዊ ዝተባህለን ብዳሓር 1954 ዝተሓትመ ቅኔኦም ዝጸሓፍዎ በዚ ግዜ ነበረ። 1959 ቄርሎስ ሻዱሻይ ፍሉይ ጸሓፊኦም ገይሮም ሸይሞሞም።ሺኖዳ ግን ሕጉስ ኣይነበሩን።ካብ ገዳሞም ምውጻእን በዓቶም ምሕዳግን ኣየሕጉሶምን ነበረ።ብዙሕ ግዜኦም ዘሕልፍዎ ኣብ ውሽጢ በዓቶም ብጸሎትን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምንባብን ነበረ።ንብዙሕ ግዜ ድማ ናብ ኤጲስ ቆጶስነት ከይጽውዑ ይከላኸሉ ነይሮም።ብ1962 ሺኖዳ ኣብ ዝነበርዎ ገዳም ሓደ ናይ ምምሕዳር ሽግር ተፈጥረ።ጉዳዩ ድማ ናብ ፓትርያርክ ቄርሎስ ሻዱሻይ ቀረበ።በቲ ግዜ ሺኖዳ ኣብቲ ምምሕዳር  ነበሩ።ገዳማውያን ከም ቀደም ኣቦታት ኮይኖም ክነብሩ፡ገዳማት ናይ ሽግር ቦታታት ዘይኮና ናይ ጸሎት ቦታታት ክኾና፡ናይ ግብጺ ገዳማት ንሓዱሽ ወለዶ  ንምቕባል ብዝኽእላሉ መገዲ ክዳለዋ፡ገዳማውያን ስራሕ፡ጸሎትን ትምህርትን ኣጣሚሮም ክሕዙ ይጋደሉ ነይሮም።እዚ ናይ ሺኖዳ  ሓሳብ ዘይተሰማምዖም ሓደ ሓደ ገዳማውያን ንሺኖዳ ከሲሶም ናብ ቄርሎስ ኣቕረብዎም።ኣቡነ ቄርሎስ ሻዱሻይ ንሺኖዳ ጸውዕዎም።ሺኖዳ ኣብ እግሪ ኣቡነ ቄርሎስ ተደፊኦም "ኣጥፊአ እየ፡ብቐደሙ'ውን ሓላፍነት ዝተቐበልኩ ብዘይ ዓቕመይ እዩ።በጃኹም ካብ ሓላፍነት እለዩኒ' ኣብ በዓተይ ጥራሕ ተወሲነ ክነብር።ኣነ ድኹም ሰብ እየ" ክብሉ ለመንዎም።ቄርሎስ ድማ "ሎሚ ንሕደር' ጽባሕ ውሳነይ ከፍልጠካ እየ" በሉ።

ንጽባሒቱ 30 መስከረም 1962 / ፓትርያርክ ቄርሎስን ካልኦት ጳጳሳትን ናይ ሺኖዳ ጉዳይ ንምርኣይ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ተኣከቡ።ሺኖዳ ነቲ ውሳነ ብሃንቀውታ  ይጽበይዎ ነበሩ።ሓላፍነት ካብ  ዝበሃል ነገር ተገላጊሎም ናይ ምናነ ህይወቶም ጥራሕ ንምሓዝ ደልዮም።ሺኖዳ ተጸውዑ።ጳጳሳት ቆሙ።ኣዒንቲ ኩላቶም  ንዓይኒ ቄርሎስ ይርእያ ነበራ።ሺኖዳ ክንብርከኹ ተነግሮም።ተንበርከኹ።ቄርሎስ ኢዶም ኣብ ልዕሊ ሺኖዳ ኣንበሩ።ካልኦት ጳጳሳት ድማ ናብኦም መጹ።ከይተሓስበ አቡነ ሺኖዳ ተብሂሎም ናይ ግብጺ ናይ መንፈሳውያን ኮሎጃት ናይ ትምህርቲ  ትካላት ጳጳስ ኮይኖም ተሾሙ።

ሺኖዳ ደንገጹ፡ በኸዩ ድማ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ መጽናዕቲ ብምግባር ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ዩኒቨርስቲ ካይሮ ፕሮፌሰር ጀርመናዊ ኦቶኣ ሜናርድስ ናይ ኣቡነ ሽኖዳ ምሻም ምስ ሰምዐ እንቋዕ ደስ በሎም ዝብል ደብዳበ ለኣኸሎም።ሺኖዳ ግን ዝመለስሉ እዚ ዝስዕብ ነበረ፥- "ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻ ይኹን።እንቋዕ ደስ በለካ ኢልካ ብቕንዕና ዝለኣኽካለይ መልእኽቲ አመስግነካ።ናትካ ዕርክነትን ፍቕርን ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣይዝንግዖን።ሓቂ ንምዝራብ ግን ንዓይ ክለኣኽ ዝነበሮ ናይ ሓዘን ደብዳበ እምበር ናይ ሓጎስ ደብዳበ ኣይኮነን።ሓደ መነኮስ ጸጥታ ዝተመለኦ ናይ ጸሎት ቦታ ሓዲጉ ጫውጫውታን ህኮትን ናብ ዝተመለኦ ከተማ ክነብር ክግበር ከመይ ኢሉ እንቋዕ ሓጎሰካ ይብሃል? ንማርያም ካብ እግሪ ክርስቶስ ተንሲኣ ንምርታ ክትሕግዝ ናብ ውሻጠ ክትኣቱ መን' እንቋዕ ደስ በለኪ ዝብላ፧ ንዓይ እዚ ሓጎስ ዘይኮነ ሕፍረት እዩ።ኣነ ኤጲስ ቆጶስ ኮይነ ዝተሸየምኩላ መዓልቲ ብሓጎስ ዘይኮነ ብሓዘንን ብኽያትን እየ ዝዝክራ።ብሕትውናን ናይ ተጋድሎ ጸሎትን ልዕሊ ማንም ዝበልጽ ነገር  እዩ።ብሕትውናን ምናነን ካብ ኤጲስ ቆጶስነት ተሪፉ ምስ ፓትርያርክነት እኳ ዝወዳደር ኣይኮነን።" ፍትወይ ሓቀኛ ቅድስና ሽመት ዘይኮነ ንልብኻ ቤተ መቕደስ ጌርካ ንክርስቶስ ምቕዳስ እዩ።ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ልብና ንጽህና እምበር ናይ ክህነትና መዓርግ ኣይሓተናን።ነዚ ደብዳበ እዚ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ ኣብታ ዝፈትዋ በዓተይ፡ኣብ ባሕሪ ኣል ፋሬግ፡ኣብ ዋዲ ኤል ናትሩን ውሽጢ ኮይነ እየ።ኣብዚ ድማ ክሳብ ጥምቀት ንምጽናሕ ሓሲበ ኣለኹ።ካብኡ ንካይሮ ክምለስ እየ" ኣቡነ ሺኖዳ እናበኸዩ ካብታ ናይ ዋዲ ኤል ናትሩን በዓቲ ሓዲጎም ካይሮ እንተ መጹ ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ ኩሉ ናብ በዓቶም ምኻድ የዘውትሩ ከም ዝነበሩ ታሪኾም ዝጸሓፈ ናይ ቀረባ ዓርኮምን ብእምነቱ ፕሮቴስታንት ዝነበረ ኦቶኣ ሜናርድስ ይዛረብ።

ክሳብ 1969  ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቤት  ትምህርቲ ትካላት ብዘመናዊ መልክዕ ኣዳለውዎ (ኣሰናድእዎ)።በዚ ዝተላዕለ ብምሉእ ግዜኦም ዝመሃሩ ቁጽሪ  ተማሃሮ ካብ 100 ናብ 207 ዓበየ።ሺኖዳ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዓርቢ ዓርቢ ንህዝቢ ዝምህሩሉን ሕቶ ህዝቢ ዝምልስሉን ናይ ትምህርቲ መርሃ ግብሪ ከፈቱ።ክሳብ 10,000 ዝበጽሕ ህዝቢ ነቲ መርሃ ግብሪ ይከታተሎ ነይሩ።ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝኾኑ መጻሕፍትን መዝሙራትን ትምህርታትን የዳልዉ ነይሮም።ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት መማህራን የሰልጥኑ ነይሮም።በዚ  ውሽጢ ጻዕቂ ስራሕ እናሃለዉ እኳ ናይታ ሰሙን ፍርቂ ኣብ ካይሮ ዝተረፈ ድማ ኣብ ገዳሞም ኣብ ውሽጢ በዓቶም የሕልፍዋ ነይሮም።በቲ  ዓመት ሺኖዳ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ነገረ መለኮት ትካላት ፕረዚደንት ኮይኖም ተመረጹ።ንቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ናይ ምቅርራብ ስራሕ ዝጀመርዎ ገና ኣብ ዘመን ጵጵስናኦም እዩ።ብመሪሕነቶም ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓያሎ ናይ ነገረ መለኮት ዝርርብ ተሳቲፋ እያ።ፓትርያርክ ቄርሎስ ኣብ  9 መጋቢት 1971 ዓረፉ።ኣብ መጋቢት 22 ዝተኣከበ ናይ ግብጺ ሲኖዶስ ተተካኢ ንምምራጽ ምድላዋት ጀመረ።ሓሙሽተ ሕጹያት ድማ መረጸ።ነገር ግን ኣብ ማእከል ቤተ ክርስቲያን ሓያሎ ፈተናታት ገጠማ።በዚ ምኽንያት ድማ ፓትርያርክ ከይተመርጸ ነዊሕ ግዜ ጸንሐ።ኣብ 29 ጥቅምቲ  ዝተኣከበ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ሕጹያት ቁጽሪ ናብ 3 ኣውረዶ።ናይ ሰለስቲኦም ሕጹያት ኣስማት ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ማርቆስ መንበር ተቐመጠ።ህዝብን ገዳማውያንን ንሰለስተ መዓልታት ሱባኤ ሓዙ።

3 ጥቅምቲ 1971 ኣብ ዕለተ ሰንበት ህዝቢ፡ካህናት፡ገዳማውያንን ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎት ድሕሪ ምብጻሕ ንሓደ ዓይኑ ብሻሽ ዝተሸፈነ ኣይማን ሙኒር ካሊል ዝተባህለ ህጻን ኣብ ልዕሊ እቲ መንበር ዝተጸለየሎም ኣስማት ቀረብሉ።ኢዱ ዘርጊሑ ሓንቲ ዕጫ ኣውጸአ።ኣብቲ ወቕቲ ነታ ቤተ ክርስቲያን ብግዚያውነት ዝመርሕ ዝነበረ ኮሚተ ሊቀ መንበር ንዝኾኑ ንሜሮፖሊታን ኣንቶንዮስ ሃቦም።ነቲ ወረቐት ድማ ገንጸልዎ፣- " እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያና ኣቦ ክኾኑ ንኣቡነ ሺኖዳ መሪጹ" ምስ በሉ ህዝቢ ብጣቕዒትን ዕልልታን ኣካባቢኡ ኣናወጸ። ቅድሚ 40 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ሕዳር 14 1971 ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ማርቆስ፥ሺኖዳ 3 መበል 117 ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ተብሂሎም ተሾሙ።

ኣብ ዘመኖም ቤተ ክርስቲያን እንደገና ሓይሊ ረኺባ።ኣብ ኮሌጅ ነገረ መለኮት ይምህሩ ኔሮም። ናይ ኮሌጅ ዲን'ውን ነበሩ።ናይ ኤልኬራዛ መጽሄት ኣዳላዊ ነበሩ።ዓርቢ ዓርቢ ይምህሩ ኔሮም።ገዳማትን ቤት ትምህርታትን ኣስፋሒፊሖም።ንመናእሰያት ናብ ኣገልግሎት ጸውዑ። ፓትርያርክ ምስ ኮኑውን ኣብ ገዳም ኣባ ብሻይ ብገዳማዊ ህይወት ምሕላፍ ኣይገደፉን። መጻሕፍቲ ጽሒፎም። ኣብ ሃገርን ወጻኢ ሃገርን ዘሎ ህዝቦም ይበጽሕዎ ኔሮም።ንሶም ክሽየሙ ከለዉ ኣብ ወጻኢ ሃገር 7 ኣብያተ ክርስቲያናት ጥራሕ ነበራ።ኣብዚ ሰዓት እዚ ግን ኣብ ኣመሪካ ካናዳን ጥራሕ ልዕሊ 300 ኣብያተ ክርስቲያናትን ልዕሊ 3 ገዳማትን በጺሐን ኣለዋ።ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ 20፥ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ 30 ኣብያተ ክርስቲያናት በጺሐን።ሺኖዳ ንዕላማኦምን እምነቶምን ክብሉ ስደት ዝጠዓሙ ፓትርያርክ በሩ።ኣንዋር ሳዳት ናይ ግብጺ መራሒ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናኣን ዝበጽሐ መከራ ብምቅዋም ሺኖዳ ደጋጊሞም ይዛረቡ ነይሮም።በዚ ዘይተሓጎሰ ሳዳት 3 መስከረም 1981 ብዘውጸኦ ኣዋጅ ንሺኖዳ ካብ መንበሮም ኣሳደዶም።ብስደት ድማ ናብ ገዳም ኣባ ብሾይ ተላእኩ።ህዝቢ ድማ ካልእ ኣቦ ኣይንመርጽን ኢሉ ተኸቲልዎም ናብ ገዳም ኣባ ብሾይ ኣተወ።ኣብኡ ድማ ኣብታ ዝፈትውዋ ገዳም ተጋድሎኦምን ትምህርቶምን ቀጸሉ።ኣብቲ ገዳም ነርባዕተ ዓመትን ፈረቓን  ድሕሪ ምጽናሕ ሳዳት ሞይቱ ሙባርክ ምስ ተተክአ ኣብ 2 ጥሪ 1985 ናብ መንበሮም ተመልሱ።ሺኖዳ ቀልዲ ፈላጥ እዮም ነይሮም።ብፍላይ ንህጻናት ምምሃር ይኽእልሉ።ንህዝቢ ከስተምህሩ ከለዉ ድማ ቀልድን ታሪኽን ምንጋር ይፈትዉ ኔሮም።ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረን ናይ ኣገልግሎት ተሳትፎ ብምዕባይ ሺኖዳ ዓቢይ ለውጢ ኣምጺኦም።ሺኖዳ ንሃገሮም ዝነበሮም ፍቕሪ መለክዒ ኣይነበሮን። "ኣብ ውሽጢ ልብና ዘላ ግብጺ ካብዛ ብዓይንና እንሪኣ ግብጺ ትበልጽ" ዝብል ብሂሎም ኣብ ልቢ ግብጻውያን ንዘለኣለም ተሓቲሙ ተሪፉ።ክርስቲያንን ኣስላምን ተኸባቢሩን ተሓባቢሩን ክነብር ብብርቱዕ ጽዒሮም።ኣብ 40 ዓመት ናይ ፕርትክና ዘመኖም ልዕሊ 100 መጻሕፍቲ ጽሒፎም።ፈላጥ ዘረባ፡በዓል ቅኔ፡ሰባኽን ደራስን ነይሮም ሺኖዳ።ኣቦና ብኣስላም፡ብፕሮቴስታንት፡ብካቶሊክ ፍትውን ክቡርን ኣቦ ኮይኖም ነይሮም እዮም።ናይ ዓቢይ መስጊድ ኣላዝሃር ኢማም ኣብ ሞት ፖፕ ሺኖዳ ከምዚ ኢሉ፦ "ግብጺ ነዞም ጥበበኛ ኣቦ ኣብ እትደልየሉ ወሳኒ ግዜ ምስኣና ዘሕዝን እዩ" ኢሎም።ሞቶም ንቤተ ክርስቲያን ግብጺ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ዝጎድአ እዩ።ተፈትዩ ዝነብርን ተበኽይሉ ዝቕበርን መራሒ ሃይማኖት ኣብ ዓለም እናጠፍአ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ሺኖዳ ብህይወቶምን ብሞቶምን ዝመሃሩ ኣቦ ኮይኖም ነይሮም።ኣብ ሕክምና ክእለዩ ጸኒሖም 17 መጋቢት  2012 ሰናይ ገድሊ ተጋዲሎም ዓረፉ።ኣብታ ዝፈትውዋ ገዳም ኣባ ብሾይ ተቐብሩ።

ፍትዋት ኣንበብቲ ካብ ታሪኽ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3 ብዙሕ ከም ዝተመሃርኩም ይግምት። ናይ ቅድስናኦም ብረኸት ኣይፈለየና። ኣሜን።

 

ተርጓሚ፦ ቀሺ ኣፈወርቂ፡ USA.

Hits: 9661