S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሞት ምእንቲ ክስዕሮሲ፡ እቲ ዘይመውት ሞተ (ዘኢይመውት ሞተ፡ ከመ ይስዓሮ ለሞት)!

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ጌርና ቆጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ

ኽንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፥ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኵላትና ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ኵላትና ኣብኡ ኣውደቖ።

መከራ ጸገበ፥ ግናኸ ርእሱ ኣዋሪዱ፥ ብትሕትና ተቐበሎ፥ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፥ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ብግፍዒ ሒዞም ፈረድዎ፥ ናብቲ ዝቕተለሉ ቦታ ጎቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ፥ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ እኳ የልቦን። ብምኽንያት ገበን ሕዝብና ተቐትለ።

እከይ ዘይገበረ፥ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፥ ምስ ኃጥኣን ከም ዚመውት ገበሩ፥ መቓብሩ ኸኣ ምስ ሃብታማት ኮነ። …………. ንሕይወቱ ተሓጕሹ ንሞት ወፈያ። ምስ በደለኛታት ከኣ ተቖጽረ፥ እወ ኃጢኣት ብዙሓት ጾረ፥ ኃጢኣቶም ምእንቲ ኪሕደገሎም ከኣ ምእንቲ በደለኛታት ለመነ። ኢሳ 53፡4-12።

Hits: 2993