S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብርግጽ ሕይወት ኣብ ላዕሊ ኣሎ፧ (2ይ ክፋል)

እቲ ዝተፈልየ ቅርጻ ዘሎዎ፥ ነባሪ ሕይወት ዘለዎ ፈጣርን ፍጡራቱን ዝነብርሉ ቦታ ብረድዮን ብቴሌስኮብን ክርከብ ዝኽኣል ኣይኰነን።

እታ ዓሰርተ ሚልዮን መትረባት ዘለዋ ሓዳስ ዝተሰርሔት ስፐክተርም ካብ ሰማይ ዝመሓላለፍ ድምጺ ትረክብ ብዙሕ ተጻናጺና ክነሳ ዛጊት ዝረኸበቶ የብላን።

ይኹን እምበር እቲ ሓቅስ ክንዮው እዚ ንነብረሉ ዘሎና ዓለም ሕይወት ኣሎ። እቲ ሕይወት እቲ ድማ ብዛዕባ ኣብ ዓለምና እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ኣዝዩ ይግደስ። ካብቲ ዘለዎ ቦታ ኰይኑ ድማ መላኽቲ ናብ ምድሪ ይሰድድ። ካብኡ ድማ ናብ ምድሪ ምብጻሕ ይግበር። ብውሕዱ ሓደ ዓቢ ምብጻሕውን ተገይሩ ኣሎ። ብሕጂውን ንዝመጽእ ዓቢ ምብጻሕ ክገብር ክመጽእ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ምብጻሕ እዚ ከምቲ ናይ ፈጠራ ጽውጽዋይ ቀጠልያ ዝመስሉ ሰባት ካብ ሰማይ መጺኦም፥ ኣብ ቦታ ሕርሻ ዝዓልቡ ንሰራሕተኛታት ናይ ሕርሻታት ናብ መራሕትኹም ውሰዱና ዝብሉ፥ ኣብ ሕርሻታት ክቢ ዝሰርሑ፥ መራሒ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይፈልጡስ ኣይኸነን።

ብውሕዱ ክጭበጥ ዝኽእል ሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ናብ ሰማየ ሰማያት በጺሖም ዝተመልሱ ውልቀሰባት ከም ዝነበሩ ታሪኽ መዝጊብዎም ይርከብ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ ብተኣማንነቶም ብሓቅነቶም ብምልዮናት ዝተመስከረሎም እሙናት መሰኻክር ነበሩ። እቲ ኣብ ሰማየ ሰማያት ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ድማ ንትምህርትና ክኸውን መዝጊቦሞስ፥ ክሳዕ ሕጂ ንደቒ ሰባት ክዛረቦም ይነብር ኣሎ። ጌና ድማ ዓለም ክሳዕ ዘላ ምስክርነቶም ክዛረበና ክነብር እዩ።

ካብቲ ንሳቶም ዝሃብዎ ጸብጻብ ከም ንርእዮ፥ ከመይ ዝኣመሰለ ልቦና ዘለዎም ሕይወት ፈጣርን ፍጡራቱን ኣብ ሰማየ ሰማያት ዝነብሩ ከም ዘለዉ ዝመስከሩልና ኣስማቶም ኢሰያስ፥ ኤርምያስ፥ ህዝቂኤል፥ ዮሃንስ፥ ጳውሎስ ይበሃሉ ነበሩ። ጸብጻቦም ድማ ኣብ ሓያሎ ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ።

ንኹሉ ህላውነት ክህሉ ዝገበረ ኣምላኽ፥

ቅድምድ ቀዳድም ሕይወት ኣብ ምድርን ኣብ ሰማየ ሰማያይን ከመይ ኢሉ ህላውነት ከም ዘለዎ ንዕኡ ዝፈጠረ መዘና ዘየብሉ ፈጣሪ በይኑ ከም ዝተፈጥረ ክንፈልጥ ይግብኣና። ብቕድሜኡ ብድሕሪኡ ካልእ ህላውነት ዝነበሮ ወይ ብሕጂ ዝነብሮ ፈጣሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍርጺሙ ኣይነበረን ሕጂ ውን የልቦን ብሕጂውን ኣይክመጽእን እዩ። እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ህላውነት ዘለዎ ፈጣሪ ድማ፥ ንኹሉ ፈጡር ህልዊ ከም ዝኽውን ገበረ። ብርግጽ እዚ ኣበሃህላ እዚ ነቶም ነቲ ዝተፈጥረ ሳይንስ ኢሎም ክመራመሩ ዝውዕሉ ኣይንታዮምን እዩ። ንዓኣቶም ስለ ዘይተረድኦምሲ ሓቂ ኣይኰነን ማለት ድዩ፧ ብጽግጽ ናይ ሓቅታት ሓቂ እባድኣ እዩ።

ንእግዚኣብሔር ኣብ ሓደ መመርመሪ ጥርሙዝ የእቲኻ ክትምርምሮ ብዝዀነ መዕቀኒ ጌርካ ክትዕቅኖ ወይ ክትምርምሮ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ዝተሓዝ፥ ዝድህሰስ፥ ዝጭበጥ፥ ዝሽትት፥ ዝምቅር፥ ዝምዘን ከም ኣካላት ሰብ ወይ እንስሳ የብሉን። ኮታ ብዝዀነ ንሕና ኣብዚ እንሄ ኣብቲ እባ እንሄ ኢልና ክንርእዮ ተኽእሎ የብልና። ስለዚ ድማ እዩ ዳዊት ኣብ ሓንቲ ቤት ክድርቶ ቤት ክሰርሓሉ ምስ ሓሰበ፥ ዳዊት ሰማይ ዝፋነት ምድሪኸ መርገጽ እግረይ፥ ከመይ ዝበለት ቤት ኢኻ ክትሰርሓለይ ዝበሉ። እምበኣርከስ ኣምላኽ ብኹሉን ኣብ ኹሉን ዝነብር መንፈስ እምበር ከም ድላይካ እትድርቶ ነገር ኣይዀነ። (ዮሃ፥414)

እቶም ኹሉ ብኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ ዝኣምኑ በቶም ኹሉ ነገር ብመርመራ ሳይንስ ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብሉ ሕብረተ ሰባት ወይ ጉጅለታት፥ ኣዝዮም እዮም ዘገርሙ፥ ከመይሲ ሳይቲስት ሕይወት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝጀመረስ በቲ ሓደ እዋንዓቢ ተኹሲ” (Big Bang) ኣብ ሃዋህው ብምፍጻሙ ኹሉ ተፈናጪሉ ብምልዮናት ዝኣክል ጭልፍላፋት ኰይኑ ካብቲ ሓደ ጭላፋት ድማ እዛ ዓለም እዚኣ ክትከውን ከላ፥ እቲ ዝተረፈ ጭልፍላፋት ድማ፥ ወርሕን ኮባክብትን ፕላኔትን ኣቖመ። ዓለም ድሕሪ ብሊዮናት ዓመታት ምስ ዘሓለት፥ ሕይወት ድማ ሽዑ ጀመረት ኢሎም የመኽንዩ። እዚ ድማ ተዓሚትካ ዝንገር ጽውጽዋይ እዩ እምበር፥ ብሓቂ ነእምሮ ዘለዎ ፍጡርሲ እዚ ብቑዕ ምኽንያት ኣይኰነን።

ሳይንቲስት ከምዚ ኢሎም ከይኣኽሎም ተመሊሶም ንፍጥረት ከይኣምኑ ክብሉ፥በቲ ግዜ ዓቢ ተኹሲ ካብቲ ነሓድሕዱ ዝተረኽበ ሕይወት ከቕውም ዝኽእል ቀመማት ስለ ዝተሰማምዔ ሕይወት ካብኡ ፈለቐት። ኣብ ዓለም ድማ ክትነብር ከኣለት ኢሎም ነፍሶም የእምኑ። ጥበብ ብደቓ ጸደቐት ከም ዝበለ ጽሑፍ፥ መሊሶም ድማ ብሃሳሰ ለባም ክጓዓዚ ስለ ዝመረጹ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ክኸውን ስለ ዝኸኣለ ኣብ ካልእ ፕላኔትውን ኰይኑ ይዀውን ኢሎም ይኣምኑ። 

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ የእምሮኦም ዘንበሩ ዘበሉ፥ ቁጽሮም ምስ ሥነ ፍልጠታውያን ስለ ዝቑጸሩዋ፥ ካብ ተፈጥረ ክብሉ ፈለቐ ክብሉ ስለ ዝቐለሎም፥ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ተፈጥረ ዝብሃል ይኽሕዱ።

ናይቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ህላውነት ከሓዱ። ነቲ ንደቂ ሰባት ዝሃቦም መልእኽቲውን ኣይተቐበሉን። ስለዚ ድማ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ ዘሎ፥ ኣፈጣጥራ ሕይወት ጽውጽዋይ ኰኖም።

ብዝኰነ ይኹን እቲ ኹሉ ዝኽእል፥ ኹሉ ዝፈጠረ፥ ከምዚ ይብሎም፥እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ንሱ ኣምላኽ እዩ፥ ንምድሪ ዝደኰነን ዝገበረን ዘጽንዓን ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰናን እምበር፥ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ከምዚ ይብል፥ ኣነ እግዚኣብሔር እየ፥ ብጀካይውን ካልእ የልቦንይብሎም። (እሰ፥ 4518) መደብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ኣድማስና ይሰርሕ፥ ኣብዛ ዓለምና እዚኣ ድማ ብሰብ ኣቢሉ ይሰርሕ ኣሎ።

ብርግጽ ሕያው ዝዀነ መንፈሳዊ ኣብ ሰማየ ሰማያትን ምድርን ዝነብር ስሉስ ኣምላኽ ኣሎ። ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ድማ፥ እልፊ ኣእላፋት፥ መላእኽቲ ዘገልግልዎ ኣለዉዎ። ነዚ ናይ ዕይኒ ምስክር ዝዀኑ ድማ፥ እቶም ካብ ዓሌት ደቂ ሰባት ዝዀኑ፥ ኢሰያስን ህዝቂኤልን ኤርምያስን ጳውሎስን ዮሃንስን ካልኦትን እዮም። ብሳላ ምስክርነቶም ድማ፥ ኣብ ሰማያት እንታይ ከም ዘሎ ፈለጥና።

| 1 ክፋል |

Hits: 2711