S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሎም ፍስሓ ኮነ

ሎም ፍስሓ ኮነ

ርሑስ ልደት፡ ክርስቶሰ

ርሑስ ልደት፡ የሱሰ

ርሑስ ልደት፡ ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊወ ናትና ንጉሠ።

ተወልደ ዘለዓለማዊ ንጉሠ

ፈጣሪ ዓለምወ ሥጋ ለበሰ

ተወሊዱልና እግዚእ ክርስቶሰ

ተወሊዱልና መድኅን የሱሰ

ምእንታና ሥጋ ለበሰ

ኮታ ስለና ነፍሲ ለበሰ።

 

ካብ ጥንቲ ዝነበረ 

ምስ ኣብ ዝነበረ፡ 

እግዚእ ኵሉ ፍጡረ

ጐይታእ’ወ፡ ኵሉ ፍጡረ

ተፀንሰ ካብ ፍጡረ

ተሠገወ ካብ ፍጡረ፥

 

ጻዕዳ  ብጫ ጥቁረ 

ኮታ ሕብሪ ከደረ 

ኬድኅን እምበረ፡

ሎጎስ ካብ ፍጡረ

ሥጋ ዝተሠገወ ፈጣሪ፡

ንፍጡራቱ ኬድኅን ፈጣሪ ፥

 

እግዚእና ኮይኑልና ኅብስቲ

ኣብ ከተማ ቤትኅብስቲ

ቤተ-ልሔም ብህለታ ቤት-ኅብስቲ

ዳዊት ዝተቐብኣላ ንመንግሥቲ፥

ኣምላኽ ኮይኑልና ኅብስቲ

ንድኅነትወ ሠናይ ትዕድልቲ።

 

ቤተ-ልሔም ምድሪ ይሁዳ

ቤተ-ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥

እንካብ ልዑላት ይሁዳ

ከቶ ዜይንኣስኪ ይሁዳ

ስለ ተወልደ ካባኺ እንግዳ

ሠሣዪ መጋቢወ እንግዳ።

 

ኣደቀሰቶ ኣብ ጎለ

ገበራ-መብልዒ ማለ፡

መወቐ ብኣድገ ማለ፡

ሰመየቶ ድማ ኣማኑኤለ፥

ትንቢት ኬይተርፍ ብህለ

ትንቢት ኬይተርፍ ብህለ።

 

ቅዱሳት መላእኽቲ ሰማያት

ዘመሩ መዝሙረ ብሥራት፡

ስለ ፍጻመ ትንቢት

ተድላ፥ ስለ ድኅነት

ሓሴት፥ ስለ ድኅነት

ናይ ኣዳምወ ድኅነት።

 

መልኣኽ ኣበሠረ ንጓሶት

መድኅን ወዲ ዳዊት

ተወሊዱ ደምሳሲ እልበት፥

ኤፍራታ ረኺባ ብልጸት

ናይ በረኸትወ በረኸት

ካብ ጐረባብታ ዜይነኣሰት።

 

ሰብኣ ሰገለ ዓረበ

ተመሪሖም ኮታ ብኮኾበ

ሓወጹ ገጾም ንኣዜበ

ኪሰግድሉ እንካብ ዓረበ

ኂዞም ወርቂ፡ ከርበ

ኂዞምወ ዕጣን ከርበ።

 

ንሕናውን ንሓንሳእ ዝተወልደ

እግዚእ ዓለም ውሉደ፥

ይዓንብብ ልብና ብውሉደ

ኣይንሥራሕ ግብሪ ዕደ

ንዕበ ብፍቕሪ ውሉደ

ንዕበ ብፍቕሪ ውሉደ።

 

ዮሓንስ መጥመቕ ተሰራሰረ

ዮሓንስ ኣብ ማሕፀን ተሰራሰረ

ንሕናውን ብፍስሓ ንሰራሰረ፡

መታን ንሕና ኪንሕረረ

ወልዲ ዝተሠገወ ኪንሕረረ

እወ ንዓለም ብመላኣ ኪሕረረ፥

 

እግዚእና ዝተሠገወላ ፍልስጢኤመ

እወ ሃገረ ፍልስጢኤመ 

ኣብ ጎል ዝደቀሰላ ቤት-ልሔመ

ንኽብሪ ሕዝቢ ፍልስጢኤመ፡ 

ኬየባተኽትና ስለ ሰላመ

ወግሐ ጸብሐ ንጸልተሎመ

ኬየባተኽትና ብፍቕሪ ንጸልተሎመ።

 

 

ደጊመ ርሑስ ልደት

ደጊመ ርሑስ ልደት

ደጊመ ርሑስ ልደት

ፈቐዶኡ ዘሎኹም የኅዋት/ኣኃት

ከማኡ መተዓብይቲ መሓዙት

ኣብ ዓዲዩ ኣብ ስደት።

 

ተሰናድአት  8:50 ንጋሆ 

ልደት 28 ታኅሣሥ 2016

07 ጃንዋሪ 2024 ጎርጎሳዊ

Hits: 482