S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተመስገን ኣምላኸይ ሓለቓ ናይ ጓሶት

ተመስገን ኣምላኸይ ሓለቓ ናይ ጓሶት

ተመስገን ኣምላኸይ ሓለቓ ናይ ጓሶት፡

ንህዝቡ ዚመርሕ ብብዙሕ ብሒደት፡

መጓሰ ምስ ተዘርወ፡ ብትልሚ ናይ ሓሶት:

 እንጦንዮስ ወመቃርዮስ ዘትረፍካልና ሰረት።

ገለን ምስ ጠለሙ ረሲዖም ፈጣሪ፡

ናይ ስጋ ስዒርዎም ምስ ደለዩ ክብሪ፡

መከራ ፈሪሆም ጥሜት ሃሩር ኣሳሒታ ቁሪ፡

ኣሰር ክርስቶስ ኣብነት ኣቦታት፡

እንጦንዮስ ወመቃርዮስ ኣጽንዕዋ በትሪ።

መዝገብ ፍልጠት ብሉይን ሓዲስን

መዝገብ ጥበብ ባህላውን ዘመናውን፡

መዝገብ ታሪኽ ናይ ቀረባን ርሑቕን፡

መዝገብ ሕጊ መንፈሳውን ዓለምን፡

መቃርዮስ ምሉእ በጸጋ፡ ኣማን በኣማን።

መምህረ ሓዲስ ገላጺ ምስጢራት፡

ንሓቂ ዚገልጽ ብዘይ ገለ ፍርሃት፡

ሓዋርያ ትንሳኤ ሰባኺ ክርስቶስ፡

መቃርዮስ ብጹእ ንሓቂ መስኪሩ ዜብጽሕ ናብ እምነት።

ታሪኽ ኣብ መዝገቡ ከም ዚዘገቦ፡

ቅዱስ ቃሉ ኣብ ገጻቱ ከም ዚትርኾ፡

 ኢይሓድጋ ለሃገር እግዚኣብሐር፡

ዘእንበለ ኣሓዱ ሄር። (x2)

ባርከነ በመስቀለከ፡

 ወዘክረነ በጸሎትከ፡

መቃርዮስ ኣቡነ

ዲን ኤፍሬም መብራህቱ

ሰኑይ 17 ግንቦት  2021

ብምኽንያት 90 ዓመት ህይወትን፡ 70 ዓመት ምንኩስናን 30 ዓመት ጵጵስናን ዝተዳለወ ግጥሚ

Hits: 2187