S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብሉይ ተክኣልና ብሓዲስ

እግዚእና መድኅን ክርስቶስ

እግዚእና መድኅን የሱስ

ጐይታና ዘለዓለማዊ ንጉሥ

ብሉይ ተክኣልና ብሓዲስ

ብሉይ ተክኣልና ብሓዲስ።

ኣጽርየላ ዚተሓማረጐ ዜና

ኣጽርየላ ዚተሓማረጐ ዜና

ንፍቕሪ ዚሓርጐተት ዓዲና

ይኣኽለኪ በላ ንሃገርና

ክሳዕ ኽንደይ'  ቍዝምና።

 

ንብዓት ወላዲት ብኅጥር

ንብዓት ኃውቲ ብኅጥር

እህህ ወላዲ ብመዝሙር

እህህ ኃው ብመዝሙር

ቀይረላ ደኣ እዛ ሃገር።

 

ንስኻ እንከሎኻ ብርሃን

ንስኻ እንከሎኻ ብርሃን

ደልሃመት ጸልማት ክሰፍን

ወግሐ ጸብሐ ሓዘን

ይኣኽለኩም በለና ንኅስራን።

 

እታ ብውሉድ ዝተባረኸት

እታ ብውሉድ ዝተባረኸት፥

ኣኽቲታ'ምበር ጻንታ ኮነት

ከም ዘይተዓደለት በረኸት

ሓጐሳ እምበር ኣጥፍአት።

 

ንወለዲና ንጥውረሉ ዘመን

ንወለዲና ንጥውረሉ ዘመን

ንወለዲና ንሓቚፈሉ ዘመን

ሓጐስ ዚዓሰሎ ዘመን

ይግበሮ ዘለዓለማዊ መስፍን።

 

ይፍረስ ማኅበር ኣንቈራ

ይፍረስ ማኅበር ኣንቈራ

እዙ ነየድልያ ኤርትራ

ከበሳ ዲዩ ቆላ ብኃበራ

ሰላም ኪሰፍና ኤርትራ።

 

' ሰላም ንፈልጦ ብወረ

ምእንቲ ኪትረኽቦ ኤረ

ከማኡ ጐረባብቲ ሃገረ

ፈጣሪ ኣውርደለን ብኃባረ

ፈጣሪ ኣውርደለን ብኃባረ።

ፈቐዶ ሰሜን ኣዜብ

ሊባ ምሥራቅ ደቡብ

መስዕ ባሕር ምዕራብ

ቤተሰብ ኵሉኹም መቕርብ

ሓጐስ ይግበረልኩም  ንጸበባ።

 

ተሰናድአት

ወልደ ጻዕዳ-ምባ ገዳም ስላሴ

ሰዓት 7:50 ንጋሆ

12-31-2018

Hits: 1841