S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ በዓል መስቀለ

ርሑስ በዓል መስቀለ

ንቀይሕ ንብጫ ንጸሊመ

ንከደር ጻዕዳወ ንጸሊመ

ንወለት ሔዋን ኣዳመ

ንወዲ ሔዋን ኣዳመ

ኢዩ ዝተሰቕለ ንብዓለመ፥

ንነዊኅ ኣይፈለየ ንሓጺረ

ነይበለ ረጕድካ ንሰዓረ

ነይበለ ቀጢንካ ንዑመረ

መጽሓፍ ቅዱስ ምስክረ

ብዘየፈላላይዩ ንዂሉ ዚገበረ፥

 

ንፋይቶት ኣይነዓቐ ነመንዝራ

ንናይ ዳማቱ ዚፈቱ ክትራ

ንተጋዊ ኣይነዓቐ ነመንዝራ

ንሓሳዊ፡ ረሳዒ ስድራ

በለ ደኣ ኣይትድገም ኃደራ፥

 

ንበይኖም ንዓዲ እገለ

ንበይኖም ንወረዳ እገለ

ንበይኖም ነውራጃ እገለ

ንበይኖም ንሃገር እገለ

ኣይኮነን ብፍላይ ዝተሰቕለ

ንብዂላዩ የሱስ ዝተሰቕለ፥

 

ጋግን መቛውሕ ተሰቢሩ

ናይ ሞት ባርነት ተሳዒሩ

ኮታ ዕልል በሉየ ኅበሩ

ንመስቀሉ ኣልዕሉ ኅበሩ

ንዳኅራዩ ኾታ ኸይትሓፍሩ፥

 

ካህናት ዲያቆናት ዓጠንቲ

ስብሓታት ዘመርቲ ወደስቲ

ቀደምቲ ቅዱስ መሥዋዕቲ

ደባትርውነ ብጥዑም ሓለይቲ

ወግሐ-ጸብሐ መስተምሃርቲ፥

 

ኣቦሓጐታተይ እኖሓጐታተይ

ኲሉኹም እኒ ሓሞይ ሓማተይ

ኣሞታተይ ምስ ኃወቦታተይ

ኃውቲኖታተይ ምስ ኣኮታተይ

ምስ ደቂኹም ዘማታተይ፥

 

ነይረሳዕኩኹምን ሓኖታተይ

ኣኃተይ ምስ ኣኅዋተይ

ምስቶም ደቂኹም ፍቑራተይ

ፈቐዶኡ ዘሎኹም ጉላመይ

ምስቶም ደቂኹም ፍቑራተይ፥

 

ኮታ መማህርተይ መታዕብይተይ

ኲሉኹም ደቂ ገዛውተይ

ጸወታኹም ዘይምኖ ጐረባብተይ

ሰሓቕኩም ዘይምኖ ጐረባብተይ

ዕውቀት ዘስነቅኩምና መማህራነይ

ናየማኅበራዊ መራኸቢ መቛርስተይ፥

 

ኣብ መስዕ ሰሜን ደቡበ

ኣብ ምሥራቕ ምዕራበ

ኣብ ሊባ ባሕር ኣዜበ

ብኃበራ ኲሉኹም ትርከቡ

ፈቐዶ ዘሎኹም ሕዝበ፥

 

ደስ ቢሉኒ ባህ ይበልኩመ

ደስ ቢሉኒ ባህ ይበልኩመ

ደስ ቢሉኒ ባህ ይበልኩመ

እንቋዕነይ ኣብጻሕኩመ

ብፍሥሓ ሰላመ።

 

ተሰናድአት

ሰዓት 3:49 ንጋሆ

09-27-2020 ፈረንጂ

ኣኰቴት።

ወልደ ጻዕዳ-አምባ ገዳም ስላሴ

Hits: 1055