S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት ምስጋና

ናይ ምስጋና ጸሎት:- ንገባሬ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፥ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። ኦጐይታ እግዚኣብሔር፥ ኩሉ እትመልኽ ኣቦኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ልዕሊ ኵሉ ኩነታትን፤ ምእንቲ ኵሉ ኩነታትን፤ ኣብ ውሽጢ ኵሉ ኩነታትን ነመስግነካ ኣሎና።ስለ ዝሰተርካናን ዝረዳእካናን ዘዕቖብካናን፤ ናባኻውን ስለ ዝተቐበልካናን። ስለ ዝራኅራኅካልናን ዝደገፍካናን፡ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ እውን ስለ ዘብጻሕካናን ነመስግን ኣሎና።ኦ መፍቀር-ሰብ ካብቲ ሠናያት ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፤ ኵሉ ዘመን ሕይወትናን፤ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽም ሃበና።ኵሉ ቅንኣትን፤ ኩሉ ፈተናን፤ ኵሉ ግብረ-ሰይጣንን ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፤ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፤ ጐይታ ካባይ ኣርሕቕ፥ ካብ ኵሉ ሕዝብኻውን ኣርሕቕ፥ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚውን ኣርሕቕ።ኵሉ ሠናያትን ዘድሊ ነገርን ዓድለና። ምኽንያቱ ንስኻ ኢኻ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ኃይሊ ጸላእን ክንረግጽ፥ ሥልጣን ዝሃብካና። ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነናን ባልኃናን እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።

በቲ ሓደ ወድኻ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገበሮ ጸጋን ምሕረትን፥ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃቢ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፥ ክብርን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብኅብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን። 

ምንጪ ጽሑፍ: መዓልታዊ ሾብዓተ ጸሎተ ሰዓታት

posted November 25, 2008

Hits: 6489