S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮነን: በዓልቲ ቤቶም ንኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ ዓሪፈን

ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮነን: በዓልቲ ቤቶም ንኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ፡ ብቀዳም 4 ሰነ 2022 ዓሪፈን። ወ/ሮ ጽገወይኒ፥ ኣደ ጽንዓት ናይ ጸሎት ኣደ ከምዝነበራ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። በዓል ቤተን ኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ ካብ ዝእሰሩ 18 ዓመታት እኳ እንተቕጸረ፡ ንሰን ግን ንኣምላኽ እናለመና፡ ብጽንዓትን ብጸሎትን “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ክርስቶስ፡ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” (ፊሊጲ 4.13) እናበላ ብትዕግስቲ ክጽበያ ጸኒሐን እየን። ንደቀን ክንዲ ኣደን ኣቦን ኮይነን እናዕበያኦም፡ ን18 ዓመታት ገጽ በዓል ቤተን ክርእያ ሃረር እናበላ እንከለዋን እየን ብሞት-ስጋ ተፈልየን።

እግዚኣብሔር ንስድራቤት ምጽንናዕ ይሃቦም። ንኣዴና ወ/ሮ ጽገወይኒ ድማ ኣብቲ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ዝኾነ መንግስቲ ብርሃን የዕርፈን። “ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ዓመትከ  ጽገወይን” 

ነቶም ን18 ዓመታት ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ ሓርነት ይኣውጀሎም ኣምላኽ።

መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ

ቀኖናዊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Hits: 887