S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልኡኻት ኣህጉረ ስብከታት ምስ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ ተዘራሪቦም (2)

ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ 18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ወግዒ ክጽውዕዎም ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።

እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ

Hits: 552