S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መዝሙር ምስጋና ቅ.ድ. ማርያም

ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።

በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት።

ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።

ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡

ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፡ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።

ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ።

እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።

ማርያም ድማ በለታ፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ።

እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።

ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዂሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም።

ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም።

ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም።

ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።

(ወንጌል ሉቃስ 1:38-56)

Hits: 4444