S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣዋጅ ምህልላን ጸሎትን

ካብ ዓርቢ 24  ክሳብ ሰንበት 26  ሕዳር 2023 (ሕዳር ፲፬ - ፲፮ ሕዳር ፳፻ ዓ. ም ግእዝ) ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ሱባኤ (ጾምን ምህልላን) ክግበር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣውጁ ኣሎ። እዚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና-ኲናትን ወረ-ኲናት እዩ። ናይ ትማሊ ንብዓት ዓይኑ እናዛረየ፥ ዳግማይ ከምዚ ኩነት ክፍጠር ኣዝዩ ዘሻቐል እዩ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” ዕብራውያን 4 - 16።

መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ሱባኤና ተቐቢሉ ሰላም ይሃበና። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
20 ሕዳር 2023

ምሉእ ትዝሕቶ ኣዋጅ ሱባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት

Hits: 578