S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ ቦኽሪ-ዓመት ዕረፍቲ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ

 መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር(ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ መዝ 112.6.

ሰንበት 12 የካቲት 2023 (5 የካቲት 215 ግእዝ) ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት "ሰማእት እንበለ ደምቅዱስ እንጦንዮስ: ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ኣሕጉረ ስብከታት መስዋዕተ-ቅዳሴን ጸሎተ-ፍትሓትን ክግበር ንሕብር። ሰንበት 29 ጥሪ 2023'ውን: ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኦክላንድ, ካሊፎርንያ ብሕብረት ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመቶም ከምዝተፈጸመ ይፍለጥ።

"ሰማእት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓ.ም. ፈ.(2 የካቲት 2014 ዓ.ም.ግ) ኣብ ማሕዩር ከምዝዓረፉ ይዝከር

እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

Hits: 587