S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።

ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።

“ኣቦኻ ቀቲሎም ኣቦ ኣይሃቡኻ” ዝብል ብሂል ኣበው፥ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ዝተፈጸመ ግፍዒን ብድዐን እዩ። ከመይሲ ብመሪሕነት ዝለዓለ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን፥ ብዕድመ ወዲ 96 ዓመት፥ ብግፍዒ ተኣሲሮም ብፖሊስ ዝሕለዉ፥ ከሰስቶም፥ ዳነይቶም ፈረድቶም፥ ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም።

ኣቦኹም ኣጥፊአ ኣነ ኣቦኹም እየ ኢሎም ዝመጽኡ ኣባ ቄርሎስ፥ በቲ ዝዓመጸ ልሳኖም ኣይትዓምጹ፥ በቲ ዝተወገዘ ሥልጣኖም ክውግዙ፥ በቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመንዝዐ ሥልጣን ክህነቶም ጳጳሳት ክሾሙ። ንብዙኃት ህሩፋት ሥልጣን መነኮሳት ንምሻም መደቦም ኣጻፊፎም ይርከቡ።

እዞም ብዝተወገዘን ዝተረግመን ኣፍ ክምረቑ፥ ብዝተዓመጸ መስቀል ቡራኬ ክረኽቡ፥ ብሓሶት ዝመስከረት ኣፍ፥ ኡፍ ክበሃለሎም፥ ሕጋዊ ኣቦ ሰዊሮም ኣቦታት ክኾኑ፡ ሕጋዊ ኣቦ ሓይሮምን ኣቦታት ክኾኑ፥ ሥልጣን እምበር እግዚኣብሔር ዘይረኣዮም፥ ጽባሕ ኣብ ሕዝብን ሃገርን ሕርሚ ተሰኪሞም ንጥፍኣት ዝመጹ ዘለዉ ሓደስቲ ኣቦታት ይመጹ ኣለዉ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ሰብከታት፡ ሕጂውን ከም ቀደሙ፥ ብዘይካ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ከም ዘይቅበል፥ ብዝተወዘዘን ዝዓመጸን ፓትርያርክ ዝሽየሙ ዘይቀኖናውያን ኤጲስ ቆጶሳት ከም ዘይቅበል፥ ደጊምና እናሓበርና፥ ሕዝቢ ኤርትራ ብሓበራ፥ ሕዝቢ ኦርቶዶክስ ድማ ብፍላይ፥ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ ዓገብ ክብል ደጊምና ንጽውዕ።

እግዚኣብሔር ሰላሙ ይሃበና። ንቤተክርስቲያንን ንህዝቢ ኤርትራን ድማ ፍትሒ የውርደሉ።

 

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ሰብከታት።

4 ነሓሰ 2021 [28 ሓምለ 2013 ግእዝ]

 

Hits: 974