S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓበሬታ ንተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ - 2023

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

ናይ ዝሓለፈ ሰሚስተር፡ ዓመተ ትምህርቲ 2022/23፡ ብረዲኤት እግዚኣብሔር ብዓወት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ተዛዚሙ። 

ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሽ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ሰሙናዊ ብማንዛ (zoom) ስሩዕ ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ። ናይ ካልኣይ ሰመስተር ትምህርቲ ድማ ካብ 1 የካቲት 2023 ክጅምር እዩ። ቀዳማይ ሰሙን መእተዊ ናይዚ ሰመስተር ኮይኑ፡ እቲ ትምህርቲ ክሳብ ግንቦት 2023 ክቅጽል እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ዝነበርኩምን ሓደስትን ተመሃሮ  በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

1) ነባራት ተመሃሮ፡ ነባራት መምዝገቢ ቅጥዒ

2) ሓደቲ ተመሃሮ፡ ሓደስቲ መምዝገቢ ቅጥዒ

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

Hits: 1087