S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓሶት እንተ ተደጋገመ ሓቂ ከይመስል

ኣብዚ ቀረባ እዋን፥ ኣባ ባስልዮስ ዝበሃሉ ኣቡን ብፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝተሸሙ ግናኸ ኣንጻሮም ዝተዓጥቁ ምስ ሓደ መነኮስ ናብ ሰሜን ኣሜርካ ኣትዮም ቀንዮም ኣለዉ።

መተካእታ ዮፍታሀ ዲመጥሮስ ኮይኑ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመዘዘ ምክትል ዋና ኣማሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኣቶ ግርማይ ዘርኣይውን ንኣባ ሉቃስ ኣሰንዩ ብዕለት 17 ሕዳር 2016 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ጉባኤ ኣካይዱ ኔሩ። ቀንዲ ዕላማ ኣኼባ፥ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብኣባ ሉቃስ ብተደጋጋሚ ዝተገብረ፡ ንሓቂ ቀቢርካ፥ ኣብ መንጎ ህዝብን ውሉደ-ክህነትን ምፍልላይ ንምፍጣር፥ ሰብ እንዳጥፋእካ ገንዘብ ህዝቢ ንምዝማትን እዩ።

"ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ምሉእ ዕርቂ ተጌሩ ነይሩ፥ እንተኾነ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ነቲ ዝተወድአ ዕርቂ ስለዝነጸግዎ፥ እቲ ዕርቂ ኣይሰለጠን" እናበሉ ቅድሚ ገለ ሰሙናት ኣብ ከተማ ኦክላንድ 17 18 ሕዳር 2016 ድማ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ንህዝቢ ከታልሉ ፈቲኖም እዮም። ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ዘርኢ ድምጺ ዘይብሉ ዝንቀሳቐስ ስእሊ ንህዝቢ ኣርእይም ኔሮም። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሩ ሰባት፥ስለምንታይ ድምጺ ዘይብሉኢሎም ምስ ሓተትዎም ግናንዓኹም ኣይምልከትን እዩኢሎም ነቲ እኩብ ህዝቢ ከም ቆልዓ ክጥብርዎ ፈቲኖም። እቲ ቅድሚ ዓመት ብሓሙሽተ (5) ጳጳሳት ዝተወገዘ ኣቶ ግርማይውን ቀንዲ ወሃቢ-መደረ እዩ ነይሩ።

እቲ ንዓመታት መንፈሳዊ መኣዝኑ ኣጥፊኡ፥ ንሕጊ ኣምላኽ ተሓሲሙ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኤርትራ ዝዝወር ዘይሕጋዊ መሪሕነት-ጳጳሳት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝፈጸሞ ገበን ከይኣክል፥ እንሆ ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ይቅረ ዘይበሃሎ ተወሳኺ ገበን ይፍጽም ከም ዘሎ ህዝቢ ተዓዚብዎን ሰሚዕዎን ኣሎ።

ፓትርያርክ እንጦንዮስ ሕጋዊ ዳኛ ወይ መንፈሳዊ መንጎኛ ኣብ ዘለዎ ጥራይ ንዕርቂ ከምዝቕበልዎ ብዘየማትእ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ግና፥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብልቢ ዘይሰመርዎ ዕርቂ፥ ዘይፈረምሉ መግለጺ፥ መንጎኛ ኣብ ዘይብሉ፥ ብስም ሲኖዶስ "ፓትርያርክ እንጦንዮስ ቅድሚ ሕጂ ብዝገበርዎ ጌጋ ስለዝኣመኑ፥ ምሕረት ተጌርሎም" ዝብል ዘስደምም መግለጺ ዘርጊሖም እዮም። እዚ ከኣ ምስ መንግሥቲ ተሻሪኾም ባዕሎም ከሰስቲ ባዕሎም ፈረድቲ፥ ባዕሎም ጠበቓ ባዕሎም ዓረቕቲ ኮይኖም ዳግማይ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ገበነኛ እዮም ክብሉና ሕፍር ኣይበሉን። እዚ ሎሚ ዘካይድዎ ዘለዉ ጎስጓስ ጸለመ እምበኣር ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ወፍሪ-ሓሶት ዘይፍለ መቐጸልታ ናይቲ ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ዓለማዊ-ውዲት ምዃኑ ኩሉ ህዝቢ ክርድኦ ይግባእ።

ከምዝፍለጥ እቲ 2015 . ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ተጀሚሩ ዝነበረ መደብ ዕርቂ፡ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ዘይሕጋዊ ልኡኽ ንዕርቂ እምቢ ኢሉ ስለዝኣበየ እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ዕርቂ በርዒኑ ተሪፉ እዩ። ኣኅጉረ ሰብከታት ብዛዕባ እቲ ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘጋጠመ ሽግር: ፍታሕ ይኸውን ዝበሎ ሓሳብ ንህዝቢ ክሕብር ጸኒሑ እዩ። እቲ በዓል ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ዘይመንፈሳዊ ሲኖዶስ ግና ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ገበነኛ ጌርካ፡ ሸውሃት ስልጣንኖም ንምርዋይ ጥራይ እዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።

ህዝቢ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ተረዲኡ፥ ኣብ ጎድኒ ሓቂ ደው ኢሉ ነቶም ብጽልእን ህልኽን ተደሪኾም ህዝቢ ዝበታትኑን ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘዕንዉ ዘለዉ ከኣ የኣክል ክብልን መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ዳግማይ የዘኻኽር።

"ካብ ንኣምላኽ፥ ንሰብ ምስማዕቅኑዕ እንተኾይኑ ከኣ ባዕልኹም ፍረዱ" ግብ 419

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት።

 

29 ሕዳር 2016 (፲፱ ሕዳር ፳፻፱ . )

Hits: 8600