S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ንግደት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል, ሻርሎት

ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።

ቀጺልና ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት 18 ሕዳር (November) ሕዳር ፳፻፲ ግእዝ ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊትመልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርህዎ ይሰፍር። ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም። መዝ 347 ዝበሎ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ብጸሎት፥ እቶም ኣብ ከባቢና ዘሎኹም ድማ ብኣካል ተረኺብኩም፥ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት:                            ቀዳም 18 ሕዳር (November) 2017

ጸሎተ ነግህን ማሕሌትን    700 --- 900 ንጕሆ

ጸሎተ ቅዳሴ                    900 ---1100 ቅድሚ ቀትሪ

ስብከትን ዑደትን            1100 ---1200 ቀትሪ

ምሳሕ ንግደት                1200 ---200 ድሕሪ ቀትሪ

ኣድራሻና:-

St. Michael Eritrean Orthodox Church Charlotte NC

5108 Kuykendall road

Charlotte, NC 28270

ብደሓን ምጹ!!!

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን።

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኣብ ሻርሎት

Hits: 2776