S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ቡርኬ ክህቡ ዘሎ ምድላዋትን ትጽቢት ህዝብን።

ህዝቢ ተዋህዶ ካብ ጻት ንጻት ካብ ቃል  ኣቡኡ ኣቡነ እንጦንዮስ ቡራኬ ክሰምዕን ኣብ መንበሮም ክርእዮምን፥  ከምዚ እዋን እዚ ገይሩ ተገዲሱን ተሃንጥዩን ብሃንቀውታ ዝተጸበየሉ ዘመን ፈጺሙ ኣይተራእየን።

ብጀካ እቶም ሒደት ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፥ ሰዓብቲ ናይ ኣባ ባስልዮስን ኣባ ሉቃስን፥ ብዓቢኡ ድማ ሃይማኖታዊ ጉዳያት መንግስቲ፥ ዝተረፈ ምሉእ ህዝቢ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዲሽ ዓመት ቡራኬ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ክሰምዕ ብልዑል ህርፋን ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ምስቲ ተሪር ተቓውሞ ናይ ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ከምኡ ድማ እቶም ግርማይ ዘርኣይ ዘዋፈሮም ሒደት ካብ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት በሃልቲን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ቡራኬ ኣቡነ እንጦንዮስ ምጽባይ ማይ ሓቚንካ ልኻይ ምጽባይ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዝኸፍአ ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ድማ ሉቃስ እዮም ዘለዉ። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ንሞራል ኣቡነ እንጦንዮስ ምውዳቕን፥ ምስቓይን ዝተማህዘ፥ ልዕሊ ኩሉ ድማ በጻሕቲ ብፍላይ ድማ ውሉደ ክህነት ከይበጽሕዎም ንመድሃሊ ዝተገብረ ተንኮል እዩ። ኣቦና ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ብጀካ እታ ናይ ፈላሲ ቆቢዕ  ዝኾነ ናይ ፓትርያርክ ኣኽሊል ወይ ክዳን ተራእዮም ኣይፈልጡን እዮም። ብዙሓት ዝፈልጥዎም ግን እቲ ክዳውንቶምን መሳቕሎምን ተቐንጢጦም ከም ዝኾኑ እዮም ዝዛረቡ።

እዞም ክልተ ጳጳሳት ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ንኣቡነ እንጦንዮስ ከም ፓትርያርክ ከምዘይቅበልዎም መርገጾም ኣነጺሮም እዮም። በዓል ግርማይ፥ ካሕሳይን ሰሎሞንን ነቶም ክልተ ኣቦታት በበይኖም ንኣኹም ፓትርያርክ ክንሸመኩም ኢና፥ እናበሉ የታልልዎም ኣለዉ። ብፍላይ ንኣቡነ ባስልዮስ ብቐሊሉ ስለ ዝኣምንዎም እታ ፓትርያርክ ኣብ ኢዶም ከም ዝጨበጥዋ ገይሮም ይጠዋውይዎም ስለ ዘለዉ፥ ንኣቡነ እንጦንዮስ ክባርኹ ዕድል ክህብዎም ምጽባይ ዘይሕሰብ እዩ።

ስራሕ ኣምላኽ ካብ ናይ ሰባት ስራሕ ፍሉይ ስለ ዝኾነ ንሕና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኣምላኽ ካብ ካብ ሰኮንድ ናብ ሰኮንድ ኩሉ ክልውጥ ስልጣን ኣለዎ በዚ ጥርጣረ የብልናን። እንተ ብናይ ሰብ ተስፋ ግን ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ምምላስን ቡራኬ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ከም ዘይህቡ ተወዲኡ እዩ።

እዛ ዓመተ ምህረት እዚኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ወሳኒት እያ ትመስል፥ ኣቦና ከም ትጽቢት ህዝቢ ኣብ መንበሮም ኮይኖም ቡራኬ እንተዘይሂቦም፥ ኣብ ህዝቢ ተዋህዶ ዝፍጠር ስምዒት ሓዘን ከቢድ ክኸውን እዩ። ብዙሕ ሰብ ክጉዳእ እዩ። መንግስትን ጭካነ በዓል ኣባ ሉቃስ ፈሪሁ እንተዘይኮይኑ፥ ዝኾነ ሰብ ብምሉእ ልቡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክዓስል ክሕሰብ ኣይክእልን እዩ።

ኣምላኽ ሰላሙ የውርደልና።

ዘሓፍት እለ እዝራ

 

እም ምድረ-ኤርትራ።

Hits: 4004